ብኣመሪካዊ ሴነተር ሮበርት መነንደዝ ተኣሚሙ፣ ሎሚ ናብ ውሳነ ሰነት ዝቀረበ S.3199 “ሰላምን ደሞራሲያዊ መስርሕን ኢትዮጵያ 2021” (Ethiopia Peace and Democracy Promotion Act of 2021) ዝተሰምየ ረቂቅ ሕጊ፣ ሎሚ ኣብ ዘርፈደ መጋብኣያ ሰነት ኣመሪካ ገለ ምምሕያሻት ተገይሩሉ ሓሊፉ ኣሎ።
እቲ ረቂቅ ንክሓልፍ ዝድግፉ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሰነት ድምጾም ከምስዑ ውዒሎም ኣለው።
"ፍትሒ ንሓትት፣ልዕሊ 500 መዓልታት ዘቑፀረ ኲናት ይኣክል፣ን S.3199 ንድግፍ" ዝብሉ ጭርሖታት ብምስማዕ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያንንን ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ሰኔት ህንፃ ድምፆም ኣስሚዖም።
ካብ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ብተወላዶ ትግራይ ዝተዳለወ ሰልፊ ዝኾኑ ኣቶ መስፍን ኣየነው እቲ ሕጊ ኲናት ደው ንምባል ዝጠቅም እዩ ይብሉ።
ካብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝተኣኻኸቡ ሰልፈኛታት ኣብዚ ኣዚዩ ቆራር ትሕቲ ዜሮ ድግሪ ሴንት ግሬድ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ እዮም ድምፆም ኣስሚዖም።
ካልኦት ሰልፈኛታት እውን ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ክስማዕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ተፈጺሙ ኢሎም ዝገለፁዎ ጠጠው ክብል ፀዊዖም።እቲ ሕጊ ተሓታትነት ዘረጋግፅ ስለዝኾነ ንምድጋፍ ኢና ወፂኢና ዘለና ኢሎም።
ትማሊ ድማ እቲ ሕጊ ነታ ሃገር ይኹን ንህዝቢ ዝጎድእ ስለዝኾነ ክፀድቕ የብሉን ክብሉ ኣብ ፊት ንፊት ካፒቶል ሂል ድምፆም ኣስምዖም እዮም።
ንዝርዝር ትሕዝቶ'ቲ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ከነቕርቦ ምዃንና ንገልጽ።