No media source currently available
ተማሃሮ ናይ መሰናድኦ ኣብያተ ትምህርቲ አምቦ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ብስም ኦሮሞ ዝንቀሳቀሱ ፓርቲታት ዕርቂ ከውርዱ ጸዊዖም። እቶም ተማሃሮ ኣብቲ ሰልፊ ንተወከልቲ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት መልእኽቲ ንምትሕልላፍ መዲቦም እንተነበሩ ተወከልቲ ፓርቲታት ብዘይምርኻቦም ከምዘይተሓጎሱ ገሊጾም ኣለው።