ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰልፊ 'ማሕበረ ካህናት ትግራይ'- ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ


 ሰልፊ 'ማሕበረ ካህናት ትግራይ'- ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ
ሰልፊ 'ማሕበረ ካህናት ትግራይ'- ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ማሕበረ ካህናት ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ቤት ፅሕፈት ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ዝተፈላልያ ከተማታት ኣሜሪካ ዝተኣኻኽቡ ካህናትን ሰዓብቶምን ትማሊ ሮቡዕ ካብ ሰዓት 10፡00 ንጉሆ ጀሚሮም’ዮም ብጥምየት ናይ ዝተሃሰዩ ህጻናት ዘርእዩ ምስልታትን ጭርሖታትን ሒዞም፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰዓብቶም ተዓጂቦም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም።

እቶም ካህናት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ካብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝተኣኻኸቡ ኮይኖም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ አናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ምዕፃው ኣገልግሎታት መሰረተ ልምዓትን መገድታትን ንኽኽፈቱ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ እገዳታት ዝሰገረ ስጉምቲ ክወስድ ዝሓትት መልእኽቶም ናብ ዝምልከቶም ሰበስልጣናት እቲቤትፅሕፈት ምቅ፟ራቦም ተዛሪቦም።

ከምኡ’ውን ኩሎም ተፃባእቲ ኣካላት ፀገማቶም ብሰላም ተዛትዮም ክፈትሑ’ውን ፀዊዖም ።

ጸብጻብ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ።

XS
SM
MD
LG