ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ኣብ ከተማ ባቕዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መጥቓዕቲ ፍጺሞም


ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ብኢራን ንዝድገፉ ሚሊሻታት ምድብዳበን ዘውገዙ ሰልፈኛታት ባግዳድ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መንብዒ ጋዝ ቶኪሶም።

ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት ናይ ሓፂን በትርን ናይ ጎደናታት ምልክታት እናነቐሉ ንናይቲ ኤምባሲ ናይ ሓፂን ሓፁር ብምጥሓስ ናብቲ ቀዳማይ ቀለበት ብምእታው እንተወሓደ ንሓደ ናይ ሓለዋ ኖቕጣ ኣቃፂሎም ኣለው።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሰራሕተኛታት ድሕነቶም ሕልው እዩ ኢሉ።ኣብ ዒራቕ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማት ቱዊለር ብምኽንያት ስራሕ ኣብ ውሽጢ እቲ ኤምባሲ ከምዘይነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG