ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ፖለቲካዊ ውድባት ጸገም ጸጥታ ዘለዎ ከባቢ ክልል ኦሮምያ ብኮማንድ ፖስት ክመሓደር ጸዊዖም


ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ ንዘሎ ፀገም ጸጥታ ንምፍታሕ፣ እቲ ከባቢ ብኮማንድ ፖስት ንክመሓደር ሰለስቲ ተቓወምቲ ውድባት ሓቲቶም።

እቶም ሎሚ ሰሉስ ታሕሳስ 6,2022 ናይ ሓባር መግለፂ ዝሃቡ እናት ፓርቲ: ኢህአፓን መኢኣድን ዝተባህሉ ውድባት ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣብዚ ሰሙን ብዝተወለዐ ጎንፂ ብርክት ዝበሉ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ብኣሽሓት ዝግመቱ ከምዝተመዛበሉን ብዙሕ ንብረት ከምዘዓነወን ገሊጾም።

ነዚ ፀገም ብህፁፅ ንምእላይ መንግስቲ ነቲ ናዕቢ ንዘጎሃህሩ ዘለው ዝበልዎም ሓይልታት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንህዝቢ መብርሂ ክህብን እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ክመሓደርን እውን ፀዊዖም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ሰላምን ፀጥታን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ክፍፅምን ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡ'ውን እተን ውድባት ኣተሓሳሲቦም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን ።

XS
SM
MD
LG