ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ውድባት ትግራይ ህወሓት ንበይኑ ልዝብ ክፍጽም ኣይግባእን ይብሉ


ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ዝፍፀም ዝኾነ ዓይነት ልዝብ ህወሓት በይኑ ክፍፅሞ ኣይግባእን ክብሉ ሰለስተ ውድባት ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ባይቶን ውድብ ናፅነት ትግራይ ዝተባህሉ ሰለስተ ውድባት እቲ ክልል ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ፅሑፍ መግለፂ: ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኩናት ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም ዝገብርዎ ፃዕሪ ከምዝንእዱ ገሊፆም።

እቶም ውድባት እቲ ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ ክረክብ ቅዋሞም ምዃኑን ብምግላፅ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ይፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ጠጠው ክብል፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ኣብቲ ኩናት ኢዶም ኣእትዮም ንዝበልዎም ሃገራት ድማ ጠጠው ከብሎም ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ጠሚቱ ዝካየድ ልዝብ፡ ህወሓት ንበይኑ ክፍፅሞ ኣይግባእን ዝበሉ እቶም ውድባት፡ ነባሪ ሰላም ዝመፅእ ኩሎም ውድባት እቲ ክልል ብዘሳተፈ ኩሎም ሓይልታት ትግራይ ብዘሳተፈ ክፍፀም ከሎ'ዩ ኢሎም።

እቶም ውድባትማሕበረሰብ ዓለም ድማ ነዚ ኩነታት ብዝተረደአ መልክዑ እዩ ከይዲ ሰላም ክፍፅም ዝግባእ ኢሎም ፡፡

ዛጊት ዝተገልጸ ወይ ኣብ መደብ ዝተታሕዘ ዘተ-ሰላም ኣሎ እንተኾይኑ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

XS
SM
MD
LG