ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ኣዘዝቲ ቤት ማእሰርቲ ዞባ ከማሺ ብዕጡቓት ምጭዋዮም ስድራቤቶም ሓቢሮም


ቤንሻንጉል ጉምዝ- ካርታ
ቤንሻንጉል ጉምዝ- ካርታ

ሰለስተ ኣዘዝቲ ቤት ማእሰርቲ ዞባ ካማሺ ክልል ቤንሻንጉል፣ ዝሓለፈ ሓሙስ ብዕጡቃት ከምዝተጨወዩ፣ ቤተሰብ’ቶም ግዳያት ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

መንነቶም ክዕቐበሎም ዝሓተቱ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ እቲ መጭወይቲ ዝተፈጸመ፣ ኣብ ወረዳ ቦጂ ድርመጂ ጥቃ ዝርከብ ጫካ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሓደ ነባራይ ካማሺ ብወገኑ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉጅለ ሽብር ዝብሎ፣ ንባዕሎም ግና ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ዝብሉ ዕጡቃት፣ ቅድሚ ሎሚ’ውን ተደጋጋሚ ተግባር ጭውያ ፈጺሞም እዮም" ኢሉ።

XS
SM
MD
LG