ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ቻይናውያን ጠፈርተኛታት ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ መሬት ተመሊሶም


ሰለስተ ቻይናውያን ጠፈርተኛታት ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ መሬት ተመሊሶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:32 0:00

ሰለስተ ቻይናውያን ጠፈርተኛታት ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ መሬት ተመሊሶም

ሰለስተ ቻይናውያን ጠፈርተኛታት ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ መሬት ተመሊሶም።

እቶም ጠፈርተኛታት ነቲ ቲያንጎንግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ቻይና ተሃንጾ ዘላ መደበር ጠፈር፡ ኣብ ምምላእ እዮም ጸኒሖም።

መንግስታዊ ቴሌቭዥን ቻይና፡ ነቶም ሰለስተ ቻይናውያን ዝሓዘት መንኮርኮር ኣብ ሰሜናዊ ቻይና ኣብ ዝርከብ 'ጎቢ' ዝተባህለ ምድረበዳ ክትዓልብ ከላ የርኢ። እቶም ሓንቲ ጓለንስተይቲ ትርከቦም ቸን ዶንግ፡ ሊዩ ያንግ፡ ከምኡ ድማ ቻይ ዚሂ ዝተባህሉ ቻይናውያን፡ ብኻልኦት ሰለስተ ጠፈርተኛታት ብጾቶም ምስ ተተከኡ`ዮም ናብ መሬት ተመሊሶም።

ኣብቲ መደበር ጠፈር ንሓሙሽተ መዓልታት ብሓባር ምጽንሖም`ውን ተፈሊጡ`ሎ። ንመጀመርያ ግዜ`ዩ ቻይና ሽዱሽተ ጠፈርተኛታት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጠፈር ክትሕዝ።

እዞም ዝሓለፈ ረቡዕ ብ ቸንዝሁ-15 ዝተባህለት መንኮርኮር ዝተወንጨፉ`ውን ከምቶም ብጾቶም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ህዋ ክጸንሑ`ዮም። ሕጂ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል`ቲ መደበር ኣብ ምግጥጣም ይርከቡ።

እዞም ትማሊ ሰንበት ዝዓለቡ ሰለስተ ተመራመርቲ ጠፈር: መሬት ምስ ዓለቡ ድሕሪ 40 ደቓይቕ ብሰራሕተኛታት ሕክምና ተጸይሮም ካብታ መንኮርኮር ክወጹ ከለዉ ይርኣዩ ኔሮም። ኩሎም ፍሽኽታ ይርኣዮም ኔሩ- ጥዕንኦም`ውን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዝነበሩ ይመስሉ።

ቀዲሙ ዝወጸ ኣዛዚ`ታ መንኮርኮር ቸን ዶንግ “ዕድለኛታት ኢና ምዝዛም ቀዳማይ እግሪ መደበር ጠፈርና ክንርኢ ምኽኣልና” ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ "ከም መንቲየር ንሕና`ውን ናብ ወላዲት ሃገርና ንጽንምበር ኣለና ‘ ኢሉ። መንትየር ካብ ህዋ ናብ መሬት ዝወድቁ ናእሽቱ ነገራት`ዮም። ሊዩ ዝተባህለት ካልእ ጠፈርተኛ ብወገና ኣዝማዳን ብጾታን ክትርኢ ምኽኣላ ሕጉስቲ ምዃና ገሊጻ።

እዞም ሕጂ ተመሊሶም ዘለዉ ጠፈርተኛታት ቻይና፡ በታ ሸንዙ 14 ዝተባህለት መንኮርኮር ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝሓለፈ ሰነ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብቲ ቲያንጎንግ ዝተባህለ መደበር ጠፈር ቻይና ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ሓሙሽተ ክፋላት`ቲ መደበር ኣብ ምግጥጣም`ዮም ኔሮም-ብፍላይ ድማ ነታ ዳሕራይ ዝሰዓበት ሞዱል ወይ ድማ መመላእታ ክፋል ኣብ ምግጣም`ዮም ኔሮም። ከምኡ`ውን ሰለስተ ዙር ጉዕዞ ህዋ ብምክያድ ዝተፈላለየ ምርምራት ሳይንስ`ውን ኣካይዶም።

ቲያንጎንግ ኣካል ናይቲ ቻይና ኣብ ህዋ ክትሃንጾ ትሰርሓሉ ዘላ ቀዋሚ መደበር`ዩ: ኣብኡ ኣብ ዑደት ህዋ ድማ ሰባት ንሓዋሩ ክተስፍር ትሓስብ።

ቻያና ካብ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ክትግለል ምስ ተገብረት`ያ- ናታ ክትሃንጽ ጀሚራ። ካብቲ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ክትወጽእ ዝተገበረ- ብቐንዱ ብተቓውሞ ኣመሪካ `ዩ ምኽንያት ድማ እቲ ፕሮግራም ጠፈር ቻይና ምስ`ቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ቻይና ተባሂሉ ዝፍለጥ- ወተሃደራዊ ክንፊ ኮሚኒስቲ ፓርቲ ቻይና ምትእስሳር ኣለዎ ብዝብል`ዩ።

ሕጂ ድሕሪ ምውሳኽ ተልእኮ ሸንዞ -15፡ እቲ መደበር ጠፈር ናብ 100 ቶን ሚዛን ክሰፍሕ`ዩ። መንኮርኮር ከይተወሰኾ ግን እቲ መደበር በይኑ-66 ቶን ጥራይ`ዩ’። እዚ ድማ ምስቲ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶይ`ዩ- ምኽንያቱ ንሱ 465 ቶን`ዩ ሚዛኑ። እንተኾነ ዕድሚኡ ክሳብ 10 ወይ 15 ዓመት ጥራይ ስለዝኾነ ግን እቲ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር እንተ ኣኽቲሙ፡ ኣብ ጠፈር ዝህሉ እንኮ እቲ ናይ ቻይና ጥራይ በይኑ ክኸውን`ዩ ማለት`ዩ።

ድሕሪ ሶቭየት ሕብረትን ኣመሪካን ቻይና ኣብ 2003 ናብ ጠፈር ሰብ ዝሰደደት ሳልሳይቲ ሃገር ኮይና`ላ። ቻይና ብተወሳኺ ሰብ ኣልቦ ምውንጫፍ ሮኬታት ብምክያድ ዕዉታት ተልእኮታት ፈጺማ`ያ። ዩቱ ቁጽሪ 2 ዝተባህለት ቻይና ዝለኣኸታ መንኮርኮር ነቲ ዝረሓቐ ጫፍ ናይ ወርሒ ንመጀመርያ ግዜ ክትድህስሶ በቒዓ`ያ።

ቻንግ-5 ዝተባህለት መንኮርኮር`ውን ኣብ 2020 ካብ ወርሒ እምኒ ሒዛ ተመሊሳ`ያ- ድሕሪ 1970`ታት ንመጀመርያ ግዜ ምዃኑ`ዩ። ካልእ ናይ ቻይና ሮቨር ማለት ተሸከርካሪት`ውን ኣብ ማርስ ህይወት ኣሎ እንተኾይኑ ኣብ ምፍታሽ ትርከብ ኣላ።

ሰበ-ስልጣን ቻይና ሽሕ`ኳ ናይ ግዜ መቓን እንተዘይሃቡ ሕጂ ካልእ ጠፈርተኛታት ናብ ወርሒ ክሰዱ ይሓስቡ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG