ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዓ ዂናት ብሰላም ክፍታሕ ጸዊዖም


ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ እቲ ከም ሓድሽ ተወሊዑ ዘሎ ዂናት ብሰላም ክፍታሕ ፀዊዖም።

እቶም ሎሚ ንመሓውራት ዜና መግለጺ ዝሃቡ ሰለስተ ውድባት እናት ፓርቲ፣ መኢኣድን ኢህአፓ ኾይኖም ቅድም ክብል በቲ ዂናት ብዙሕ ህይወትን ንብረትን ከምዝጠፈአ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ሰላማዊ ኣማራፅታት ክጥቀሙ ሓቲቶም። እቶም ውድባት ኣብ ዝሃቡዎ ሓባራዊ መግለፂ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፀገማት ኣለውዋ፣ ሕጂ ካልእ ተወሳኺ ፀገም ኣየድልያን ኢሎም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ዂናት በሰላማዊ ዘተ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ተላቢዮም።

እቲ ውግእ ሃዲኡ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እውን እንተኾነ ብኽልቲኦም ወገን ናይ ቃላትን ፕሮፖጋንዳን ዂናት ደው ከምዘይበለ ዝገለፁ እቶም ውድባት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብሓይሊ ሰብን ብናውትን ክዳለው ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ዂናት ምውልዖም ኣብሪሆም። እንተኾነ፣ ነቲ ፀገም ብሕታዊ መፍትሒ ክኸውን ዘለዎ ሰላማዊ ዘተ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዘየካትት ከምዝነበረ ክገልጹ ምጽንሖም ዝሓበሩ እቶም ውድባት ፖለቲካ፣ ይኹን ደኣ እምበር ሕጂ እውን እቲ ዘዋፅእ መፍትሒ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ዘተ ሰላም ምቕፃል'ዩ ክብሉ ገሊፆም ኣለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዳግም ዝተወለዐ ዂናት መን ጀሚሩዎ ኣብዝብል ንሓድሕዶም ይካሰሱ። 'ወታሃደራዊ ኮማንድ ትግራይ' 18 ነሓሰ ንጎሆ ሰዓት ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ኣምሓራንን ኣብልዕሌና መጥቃዕቲ ፈፂሞም ብምባል መግለፂ ሂቡ : ነዚ ስዒቡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት መግለፂ ዝሃበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ናይ ህወሓት ክሲ ነፂጉ፣ ነቲ ዂናት ዝወለዖ ህወሓት ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

እቲ ዂናት ምስተወለዐ ማሕበረሰብ ዓለም ክልቲኦም አካላት ነቲ ኩናት ጠጠው ከብሉን ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱን ይጠልብ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኢጋድ እቲ ዂናት ዳግም ምውልዑ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም ኣለው።ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ሰላም ክምለሱ እውን ሓቲቶም።

XS
SM
MD
LG