አዲስ አበባ —
ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንአባላቱ ስልጠና ኣብ ዝሃብሉ እዋን ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር እውን እንተዝሓውስ ድልየቶም ምዃኑ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ እዚ ዝገለፁ ስልጠና ንምሃብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተጉዓዙ ዳይሬክተር ክፍሊ ኣፍሪቃ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣቶ ንጉሴ መንገሻን ማኔጂንግ ኤዲተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ወ/ሮ ትዝታ በላቸውን ሎሚ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን እዩ።