ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርክብ ቀ/ሚ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ክልትኣዊ ዝምድና ዘተኾረ ምንባሩ ተገሊጹ


ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝገበርዎ ርክብ ኣብ ምሕያል ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዘተኮረ ከም ዝነበረ ፥ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ሎሚ ንናይ ውሽጥን ወጻእ ሃገራትን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። እቲ ምይይጥ ምርድዳእ ዝዓሰሎም ዕዉትን ምንባሩ`ውን ኣምባሳደር ዲና ገሊጾም ኣለዉ።

“ምስ ሱዳን ኣዝዩ ጽቡቕ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ምሕዝነት`ዩ ዘለና” ዝበለ ወሃቢ ቃል-ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ፥ ኣብ ዙርያ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ዝርኣዩ ፍልልያት ብዘተን ሰላማዊ ብዝኾነ መንገድን ንምፍታሕ ከም ዝተሰማምዑ ኣረዲኡ።

“ብሓፈሻ ምስ ሱዳን ኣዝዩ ጽቡቕ ክብሃል ዝኽእል ርክብ`ዩ ዘለና። ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ጽቡቕ ምርድዳእ`ዩ ዘለና። ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ፍልልያት ኣሎ፥ እቲ ፍልልያት ግን ሰላማውን ሃናጺን ብዝኾነ ኣገባብ ናይ ምትእንጋድ ድልየት`ዩ ዘሎ” ዝበለ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ምስ ሱዳን ንነዊሕ ግዜ ዘይተወድአ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣሎ- ኣብ ዶባት ከባቢ ንሱ ዝፈጥሮ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ኣሎ- ብዋናነት ግን፥ ምስ ሱዳን ዘለና ፍልልይ ሃናጺ ብዝኾነ ኣገባብ ናይ ምፍታሕ ኣንፈት`ዩ ዘሎ- ምይይጥና ዝነበረ`ውን ኣብዚ ጉዳይ`ዩ- ጽቡቕን ሃናጽን ብዝኾነ ጽምዶ ኢዩ ድማ ተኻይዱ ኢሉ።

ይኹን`ምበር ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበሉ ሕቶ፥ቀዳማይ ሚኒስትርዓብደላ ሓምዶክ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዝነበረ ንናይ ክልተ መዓልታት ምንባሩ ብምጥቃስ ዑደቱ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጥራሕ ጌሩ ናብ ሃገሩ ምምላሱ፥ ዘይምስምማዕ ከምዝነበረ ዘመልክት ከም ዝኾነን ኣብ ኣጀንዳ ዝርርቦም ዘይምስምማዕ`ውን ከምዝነበረ ንገለ ናይ ዜና ምንጭታት ብምጥቃስ መብርሂ ዝሓትት`ዩ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓምዶክ ካብ ዝተታሕዘሎም መዓልቲ ኣቐዲሞም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ምስ ዘይምስምማዕ ፈጺሙ ከምዘይተኣሳሰር ብምርግጋጽ፥ ዝዝርግሑ ናይ ምናልባት መረዳእታታት ምንጭታቶም ምስ ገለ ኣካላት ናይ ውልቂ ጠቕሚ ዝተተሓዘ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

“ብፍላይ ሕጂ ምስቲ ኣብ ሰሜን ዝነበረ ግጭት ብዝተሓሓዝ ፥ ብርክት ዝበሉ ሰብ ረብሓ ኣለዉ። እቲ ዞባ ሰለማዊ ክኸውንን፡ ጸገማት `ቲ ዞባ ድማ ክፍታሕ ፥ዝሕግዙን ዝደልዩን ከም ዘለዉ መጠን፥ ብስቓይ`ቲ ዞባ ዝንግዱ ነጋዶ`ውን ኣለዉ ኢሉ። ብዝተፈላለየ ጉልባብ`ዮም ዝንቀሳቐሱ። ብሲቪል ማሕበረ ሰብ፥ ብሰብኣዊ መሰል ዝብል ኣስማት ዝሓዙ`ዮም። ካብ ግጭት ዘትርፉ ኣለዉ።”

ብኻልእ ወገን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ፈጻሚ ስራሕ ኤኮኖሚክ ኮሚሽን ኣፍሪቃን፥ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወካሊ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ፡ ረኺቡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት`ታ ሃገር መብርሂ ከም ዝሃቦም እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።


“ንሳቶም`ውን ብፍላይ ንህድኣት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድልየት ከም ዝለዎም ብፍላይ ዋና-ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፥ንኩነታት ኢትዮጵያ ሚዛናዊ ብዝኾነ መንገዲ ዝተረድእሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ” ድሕሪ ምባል “እዞም ሎሚ ዘዘራረብናዮም ኣህጉራውያን ሓለፍቲ`ውን ዘቕረብዎ ሪፖርት ሃናጺ`ዩ ኔሩ ኢሉ። ንዋና ጸሓፊ`ውን ምስጋና ይግብኦም`ዩ ቅቡልን ሚዛናውን ሻቕሎት`ዩ እዚ ነገር ንኸይቅጽል ቀልጢፍኩም ናብ ምርግጋእ ህዝቢ እተዉ ዝብል`ዩ” ኢሉ ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን`ዚ መሊስካ ናይ ምጥያስ ስራሕ`ዩ ዝስራሕ ዘሎ ዝበለ ኣምባሳደር ዲና፥ ይኹን`ምበር እቲ ዳግመ ምጥያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝዘርግሖ ስርዓትን መንገድን ከምዝኾነ ኣስሚርሉ።


"መንግስቲ ዝሰመሮ መስመር ኣሎ፥ኩሉ መስመራት ምሉእ ንምሉእ ርጉእ ከባቢታት ክሳብ ዘይኮነ፥ መንግስቲ ብዝህቦ ምደባን ምክልኻል ብዝህቦ ሓለዋን`ዩ ዝኸውን" ዝበለ ወሃቢ ቃል ዲና፥" እቲ ጸገም ብናይ ረድኤት ሽጣራ ንኻልእ ጉዳይ ዝኣትዉ ስለዘለዉ`ዩ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ሱዳን ነቶም ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ኢትዮጵያውያን ንምምላስ ፍቓደኛ`ዩ-ኣብ ጭፍጨፋ ማይካድራ ዝተሳተፉ`ውን ኣብኡ ዝኣተዉ ኣለዉ፥ ምስ መንግስቲ ሱዳን ንዘራረብ ኣለና ዝበለ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ነገር ግን ገና ተወሰኽቲ ሰባት ንክስደዱ ዝሰርሑ ወገናት ከም ዘለዉ`ውን ምስትውዓል የድሊ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG