ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ


ርእይቶ ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:15 0:00

ርእይቶ ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ መዝነት ምስ መጹ ናፃ ሚዲያ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ቃል ኣትዮም ነይሮም።ምስ ሓይልታት ትግራይ ኲናት ምስተልዓለ ግን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ምፍርራሕ፣ማእሰርቲን ካብታ ሃገር ምብራርን ከምዘጋጠሞም ተፀብፂቡ እዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣን ምስሓዙ ንናፃነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ኣብ ፓሪስ ዝመደብሩ ጋዜጠኛታት ብዘይ-ዶብ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኸ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ናፃነት ፕረስ ብ40 ደረጃ ሓፍ ኣቢሉዋ ነይሩ።

እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝፀንሐ ናይ ሚዲያ ዓፈና ንእትፍለጥ ሃገር ግዙፍ ዝላ'ዩ ነይሩ።ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራል መንግስትን ናይ ትግራይ ተዋጋእትን ኲናት ካብ ዝጅመር ግን ኢትዮጵያ ደረጅኣ መሊሱ ኣንቆልቂሉ ኣሎ።

ናይ 2022 መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ምኽኒያት ብምግባር ኢትዮጵያዊያን ጋዜጠኛታት ስርሖም ንምዕያይ ማዕረ ክንደይ ነፃነት ከምዝስምዖም ተዛሪቦም ኣለው።

ንኣሶሼትድ ፕረስ ዝሰርሕ ኤሊያስ መሰረት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ናፃነት ፕረስ ኣብ መስቀለኛ መንገዲ ይርከብ ይብል።

"ብሓፈሻ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ሞያዊያን ናብ ሓደ ዝዘዘወ ኣረኣእያን መፍለይ ምልክት ሚዲያ ኮይኑ ኣሎ ክብል እኽእል እየ" ይብል። "እዚ ንኽልወጥ መንግስቲ ሰብ-ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ስርሖም ብናፃነት ክሰርሑ ክፈቅድ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ።እዚ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምክልባትን ምፍርራሕን ማለት እዩ።"

ኣሰግድ ሙሉጌታ ብመንግስቲ ኣብ ዝውነን ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፐረሽን መደበር ሬድዮ ኣቕራቢ እዩ።ንሱ ብድምር ኣብ ቀረባ ዓመታት ናፃነት ፕረስ ተመሓይሹ እዩ ይብል።ኣብ 2018 እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ንኩሎም ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ፈቲሖም።ድሕሪኡ ግን እቲ ምዕባለ ተቐይሩ። ኣብ 2021 ኢትዮጵያዊያን ጋዜጠኛታት 46 ጋዜጠኛታት ምእሳሮም ሰኒዶም: እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝኸፍአት ኣሳሪት ጋዜጠኛታት ይገብራ።

ብመንግስቲ ዝድገፍ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ስቪል ዝተኸደኑ መኮነናት ዝኣሰሩዎን ዛጊት ኣበይ ከምዘሎ ዘይፍለጥን ጋዜጠኛ ጎበዜ ሲሳይ ብዝምልከት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ስኽፍትኡ ገሊፁ።

ካልእ ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ኪያሮን መሳርሕቱ ቶማስ እንግዳን ኣብ ሕዳር ተኣሲሮም ኣብ መጋቢት ብዋሕስ ተፈቲሖም።ንናይታ ሃገር ሕጊ ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ኲናትን ሕጊ ፀረ ሽበራን ብምጥሓስ ገበነኛ ኮይኖም እንተተረኺቦም ሕጂ እውን ማእሰርቲ ይፅበዮም ኣሎ።

ኣሰግድ ግን ሕጂ እውን እንተኾነ ህወሓት ምስ ዝዓብለሎ ቅድሚ 2018 ዝነበረ መንግስቲ ብምውድዳር ምምሕያሻት ይርኣዮ።

"ብዙሓት ማሕነቖታት ፣ብዙሕ ምመያ፣መውቃዕቲ ጋዜጠኛታት ነይሩ።ሎሚ ምዕንባብ ሚዲያታት ዩቱብን ኦንላይን ንርኢ ኣለና።ከምዚ ዝበለ ክተሰምዕ ፅቡቕ ነገር እዩ።"

ሲሳይ ሳህሉ ኤዲተር ናይ ውልቂ ጋዜጣ ዘ ረፖርተር እዩ።ናይ ውልቂ ሚድያ ካብ መንግስቲ ዘጋጥሞም ዕንቅፋት ብዝምልከት ከምዚ ይብል።"ናተይ ተመኩሮን ኣብ መንግስታዊ ሚዲያ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ መዘናታተይ ተመኩሮን ፈፂሙ ዝተፈለየ እዩ’’ይብል። "ከም ሰራሕተኛ ናይ ውልቂ ሚዲያ ንዓይ ሓበሬታ ንምርካብ ከቢድ እዩ።ኣብ ሓደ ቀሊል ዜና ዓሰርተ ናይ ስልኪ ደወል ክረክብ እኽእል እየ’’ብምባል ወሲኹ ይዛረብ።

ድሕሪ ዓሰርተ ናይ ስልኪ ምድዋል ናይ መንግስቲ ምንቅስቓሳት ብዝምልከት ንዕኡ ዘድልዮ ሓበሬታ ከምዘይረክብ ሲሳይ ይገልፅ።

ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ርእይቶ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ብመሰረት ዳሕረዋይ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ነፃነት ፕረስ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ካብ ዝነበራ ደረጃ ብ13 ደረጃ ወሪዳ ኣብ መበል 114 ተሰሪዓ ትርከብ።

XS
SM
MD
LG