ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ኤርትራዊያን ኣብ ምልዓል እገዳ


ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ብምሉእ ድምጺ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ኸአ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ውሳነ ብሃጎስ ከምዝተቐበሎን ብምግላጽ ነዚ ብጽንዓት መኪቶን ንዝበሎም ኣብ ውሽጢን ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ አአርትራ ብምን አድ እዚ ማዕቐብ ብቐደሙ’ኸ ንምንታይ ተነቢሩ ክብል ሓቲቱ’ሎ።

እቲ ኣብ ታሕሳስ 2009 ዝተነበረ ማዕቐብ ካብን ናብን ኤርትራ መሸጣ ኣጽዋራት ዝክልኽል መገሻ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣናትን ዝቕይድ’ዩ ኔሩ።

እቲ ማዕቐብ ዝተነበረ ኤርትራ ምስ ኣብ ሶማል ዘለው ጥሩፋት ዕጡቓት ጉጅለታት ትድግፍ’ያ ክብል ተቆጻጻሪ ጉጅለ ህቡራት ሃገራ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰርት’ዩ። ኤርትራ ግን ነዚ ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽግ ጸኒሓ’ያ።

ፌቨን በራኺ ካብ ጀነቫ፡ ዶ/ር ዓወት ወልደሚካኤል ካብ ካናዳን ኣቶ ኢብራሂም ዓብደልኑር ካብ ቨርጅንያ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለው ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ርእይቶ ኤርትራዊያን ኣብ ምልዓል እገዳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:18:46 0:00

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG