ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊያን ኣብ መልእኽቲ ጉባኤ ህውሓት


ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ጉባኤ፡ ናብ ብልጽግና ፓርቲ ከምዘይጽንበር ምውሳኑ ሓቢሩ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ መልእኽቲ`ውን ኣሕሊፉ ኔሩ።

“ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ቋንቋ፣ተመሳሳሊ ባህልን ብመውስቦ ዝተኣሳሰረን ሓው ህዝቢ እዩ” ዝብል መግለጺ ሕወሓት “ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓማውቲ ... ናብ ክንኣትዎ ዘይግበአና ኲናት ኣቲና ዘየድሊ ኪሳራ ከፊልና ኢና፡፡ ነዚ ዘጋጠመ በሰላ ንምሕዋይን ናብ ንቡር ሰላም ንምምላስን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበረ ፀኒሑ እዩ” ይብል።

ነዚ መልእኽቲ ንሎሚ ብክልተ ኣብ ዝተፈላለየ ፓለቲካዊ ደምበ ዘለዉ ኤርትራውያን ክንርእዮ ክንፍትን ኢና። እንጅነር የዕብዮ መስፍን ከምኡ ድማ ሙሴ ስብሃቱ ይብሃሉ፡ ካብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ``ዮም። ንሳቶም፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ`ቲ ኣብ ደቡባዊ ኤርትራ ዘሎ ብሄረ- ትግርኛ ጥራሕ ዘይኮነስ ንትሸዓቲኤን ብሄራት ኤርትራ ክሓስብ ኣለዎ ይብሉ። ኣተሓሒዞም፡ ኣብ`ቲ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ውዕል ምኽባር ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክተሓባበር ንጽበ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ርእይቶ ኤርትራዊያን ኣብ መልእኽቲ ጉባኤ ህውሓት
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:00 0:00


XS
SM
MD
LG