ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ


ርእይቶ ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:16 0:00

ርእይቶ ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይካየድ ዘሎ ፈላማይ ዘተ ሰላም ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ። እቲ ዝርርብ ንመራኽቢ ማዕኸናት ዕፀው እንተኾነ እውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ግን እቲ ደማዊ ግጭት ዘብቅዕ ስምምዕ ክብፃሕ ተስፋ ኣለዎም።

ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ኲዊን ሸባ(Queen Sheba) ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዘየገድስ መግብን ባህልን ዝኽበረሉ እዩ።

ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ውግእ ክልዓል ከሎ ወናኒ ናይቲ ቤት መግቢ ወንዱ ተስፋየ ምስንባዱ ይገልፅ።

"ንዓይ ሃንደበታዊ እዩ ኮይኑኒ።ሕጂ ግን እቲ ኲናት ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ።ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍን ኣለዎ።"

ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 5.2 ሚሊዮን ሰባት ጥምየት ገጢሙዎም ኣለው ይብል። ማሕበረሰብ ዓለም'ውን እቲ ውግእ ከብቅዕ ድፍኢቱ ኣሐይሉ ኣሎ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይካየድ ኣሎ።

ድምፂ ቶኽሲ ክጠፍእ ንተስፋየ ሓዊሱ ንብዙሓት ዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ተስፋ ሂቡዎም ኣሎ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ይኸውን ዘሎ ንምፍታሕ ሰላማዊ ስምምዕ ክህልው እዩ ትፅቢተይ።ሓቂ እዩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣለና።ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ብዓብይኡ ተሓዊሱዎ ኣሎ።"

ኣብ ዩኒቨርስቲ ምዕራብ ኬፕስ ፖለቲካዊ ተንታኒት ዝኾነት ናምህላ ማሻንዳ ነታ ክፍለ ኣህጉር ዝትንክፍ ግጭት ስለ ዝኾነ ብኣፍሪቃ ዝምራሕ ፍታሕ የድሊ ብዝብል ትሰማማዕ።

"ሓይልታት ኤርትራ ስለዝኣተውዎ ናይ ውሽጢ ግጭት ምዃኑ ዘብቅዐ ይመስለኒ።ኣብ ፈላማይ ማዕበል እቲ ውግእ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ጎረቤት ሱዳን ሃዲሞም እዮም።ንሱ ንርእሱ ዞባዊ ግጭት ክኸውን ገይሩዎ እዩ ምኽኒያቱ ሱዳን ተሓዊሳትሉ እያ።"

እዮብ ብስራት ኣብ 2022 ካብ ሃገሩ ወፂኡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንግዲ ክጅምር ዘገደዶ ዘይምርግጋእ እዩ።እዮብ ኣብ ቀረባ ዘጋጠመ ግጭት ንምርኣይ ዘፀገመሉ እንተኾነ እውን ኣብ ድሕሪ ቤቱ ዘተ ሰላም ይካይድ ምህላው ግን እፎይታ ይስምዖ።

"ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ፅልዋ ኣለዋ።እቲ ዝርርብ ኣብዚ ምክያዱ ገለ ፅቡቕ ውፅኢት ክህልዎ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።እቲ ትኽክለኛ ቦታ እዩ ዝብል እምነት እውን ኣለኒ።ነዚ ክትእንድ ትኽእል ካልኣይቲ ሃገር ክሓስብ ኣይክእልን።"

ከም ማሻንዳ ዝኣምሰሉ ክኢልታት ግን እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ንምስፋን ኣብ ዝህለው ነዊሕ መስርሕ ቀዳማይ ስጉምቲ ጥራሕ እዩ።

"እዚ ኣኼባ እቲ ግጭት ከመይ ከብቅዕ ከምዘለዎ ዝካየድ ልዝብ ኣይኮነን፤የግዳስ ኣብ ምንታይ ክላዘቡ ከምዘለዎም ንምስምማዕ እዩ።ብዘይወዓል ቶኽሲ ጠጠው ክብልን ዝተቋረፀ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣትው ክልቲኦም ወገናት እንተድኣ ተሰማሚዖም እዚኦም መሰረታዊ ነገራት እዩ።"

እቲ ልዝብ ብዝምልከት ዝወፀ ዝርዝር ነገር የለን።እዚ ማለት እወጃ ሰላም ትፅቢት ዝገብሩ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ክሳብ ሽዑ ክፅበዩ ኣለዎም ማለት እዩ።

XS
SM
MD
LG