ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ነበርቲ መቐለ ንመግለጺ ጉባኤ ህውሓት


ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራቦም ገለ ነበርቲ መቐለ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሶኑይ ዘውጽኦ መግለፂ ኣብ ጉዳይ ቐፃሊ ጉባኤ ህወሓት ጠመተ ዝገበረ እዩ ኢሎም ።

ኣባል ህወሓት ዝኾኑ ኣይተ ኣብርሃ ዕቡይ እቲ መግለፂ ሓፂርን ግልፅን ንእዋናዊ ኩነታት ዝገልፅን ይብሉ።

ካብ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ንልኡላውነትን ዲሞክራሲን ድማ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ እቲ መግለፂ ሓዱሽ ነገር ዘይብሉን ልሙድን እዩ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፓለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መፅናዕትን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ፀሃየ ብወገኖም ኣብ መግለፂ እቲ ውድብ ዝተጠቓለለ “ጉባኤ ህወሓት ንምዝራግ ንዝፅዕሩ መኪትና ጉባኤና ነዕውት ኢና” ዝብል ሓሳብ ካብ ውሽጥን ወፃእን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፈተናታት ምህላዎም ዘመላኽት ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ርእይቶ ነበርቲ መቐለ ንመግለጺ ጉባኤ ህውሓት
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:26 0:00


XS
SM
MD
LG