ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ተሳተፊቲ መበል 12 ጉባኤ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ


ተሳተፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝተኻየደ መበል 12 ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ጉባኤ እቲ መድረኽ ካብ ዝተፀበናዮ ንላዕሊ እዩ፤እቲ ውድብ ኣብቅድሚኡ ዕድላትን ፈተናታትን ይፅበዩዎ ኣለው ክብሉ ተሳተፍቲ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለው።

ኣብ መበል 12 ጉባኤ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ ዝተሳተፉ ኣቦ ወንበር ኮሚቴ ኣናዳይ ሕቶ መንነት ወልቃይት ኮሎኔል ደመቀ ዘውዴ እቲ መድረኽ ከመይ ከምዝነበረ ተሓቲቶም ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።

“እቲ መድረኽ ኣዚዩ ካብ ትፅቢትና ንላዕሊ እዩ ነይሩ።ዴሞክራሲያዊ ነይሩ፤ኣዐሪዩ ኣስተውዓሊ ህዝቢ ተሳቲፊ ነይሩ።ዘቕርቡዎ ሓሳብ እውን ካብ ስምዒትን ፀቢብነትን ነፃን ኣምሓራይን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዘለዎ፤ኣብዚ ክልል ናይ ዝነብር ህዝቢ መሰል ዘረጋግፅ ሓሳባት ዝቐረበሉ ነይሩ።ኣብ መወዳእታ ዝሓሸ ውፅኢት እውን ሪኢና ኣለና።”

እቲ ሓድሽ መሪሕነት ካብ ምሁራን፣መናእሰይ፣ደቂ ኣንስትዮን ካብ ነባራት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ዝሓቖፈ ስለዝኾነ ዝሓሸ ውፅኢት ከመዝግቡ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።ፍትሓውን ዴሞክራሲያዊን ነይሩ ኣብዝተብሃለ ጉባኤ ዝተመርፁ ሓደስቲ ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ ቅድሚኦም ሕማቕን ፅቡቕን ይፅበዮም ከምዘሎ ኮሊኔል ደመቀ ይግለፁ።

“ነዚ ህዝቢ ብዝግባእ እንተድኣ መሪሖምዎ ብዙሕ ሓጋዚ ኣለዎም።ካብ ህፃን ክሳብ ዓብይ፣ካብ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ደቂ ተባዕቲዮ ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ጎኖም ደው ክብል ይኽእል እዩ።ክጥቀምሉ እንተድኣ ክኢሎም እዚ ዓብይ ዓቕሚ እዩ።ምስ ወሰንን ሕቶ መንነትን ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ፀኒዖም እንተድኣ ዘይፈቲሖምዎ ፈተና እዩ።ሕዚ ብመረገፂ ከም ውድብ ተቐቢሎምዎ ኣለው።ሕቶ ወሰንን መንነትን ናይ መላእ ኣምሓራ ሕቶ ስለዝኾነ ናቲ ውድብ መርገፂ ኮይኑ በቲ ጉባኤ ተወሲኑ’ሎ።እዚ ንምፍፃም ሓደ መርገፂ እንተድኣ ሒዞም ህዝቢ ኣብ ጎኖም ደው ክብል እዩ።”

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኮይኖም ዝተመረፁ ዶ/ር ኣምባቸው መኮነን ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ድማ ከምዚ ኢሎም።

“እቲ ውድብ ፈፂሞም ለውጢ ብዝደልዩ ሓይልታት እናተመልአ መፂኡ’ሎ።እቲ መደረኽ እውን ከምዝርኣኹምዎ ንዝፈትዎ እናንኣደ ንዝፀልኦ ድማ ብድምፁ በቲ ዝረኣኹምዎ ኣገባብ እንዳነቐፈ ዝተዛዘመ ጉባኤ እዩ ነይሩ።”

ኣቶ ቹቹ ኣላባቸው ዝተበሃሉ ካልእ ወሃቢ ርእይቶ እቲ መሪሕነት ብብዙሕ መልክዑ ዝሓሸን ሰብ ክሰምዖ ዝኽእልን መሪሕነት ረኺቡ’ሎ ኢሎም።ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ቅድሚ ሎሚ ህውሓት እዩባ ከምዚ ገይሩኒ፣ናይ ካልእ ኣባል መሪሕነት ይመርሐኒ’ሎ፣በረኸት እዩ ከምዚ ገይሩ ዝብሉ ምኽንያታት ስለዘየለ ነቲ ውድብ ብዝለዓለ ደረጃ ከቃልዖ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ርእይቶ ተሳተፊቲ መበል 12 ጉባኤ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:58 0:00

XS
SM
MD
LG