ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ሱዳናዊያን ንምልቓቅ መዝነት ዑመር ኣልበሽርን ወታሃደራዊ መሪሕነትን


ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሑዋ ፕረዚዳንት ዑመር ኣል-በሽር ብወታደራት ካብ ስልጣን ወሪዶም ኣለው።ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኖም ምውራዶም ታሕጓሶም ዝገለፁ ገለ ሰልፈኛታት ንዕኦም ንዝተክአ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ የውግዙ ኣለው።

ብናህሪ ዋጋ ባኒን ነዳዲን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዕልዋ መንግስቲ ተዛዚሙ’ሎ።ሎሚ ሓሙስ ብተለቪዥን ኣብ ዝተመሓለለፈ መግለፂ ናይ ሱዳን ሚንስትር ምክልኻል ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ኢብንፍ ኣል-ፕረዚዳንት በሽር ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ኣዊጆም።

ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ነታ ሃገር ንኽልተ ዓመታት ዘመሓድር ወታደራዊ ናይ ሽግግር ቤት ምኽሪ ምጥያሹ ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ ፀረ ኣል-በሽር ናይ ዝተኻየዱ ተቓወሞታት ኣብ ምትሕብባር ቁልፊ ታራ ዝገብረ ማሕበር ሰብ ሙያ ሱዳን ብወታደር ዝምራሕ ናይ ሽግግር ቤት ምኽሪ ንሱዳን ንዝቕፅሉ ክልተ ኣዋርሕ ክመርሓ እዩ ንዝብል እወጃ ነፂጉዎ’ሎ።

እቲ ማሕበር “ስቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ” ክምስረት ምሕፅንታ ብምቕራብ ሰባት ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሰራዊት ዝሓለፈ ቀዳም ዝጀመሩዎ ኮፍ ናይ ምባል ስጉምቲ ክቕፅልሉ ፀዊዑ’ሎ።

ኣብ ካርቱም ርእይትኦም ዝሃቡ ክልተ ተቓወምቲ እውን ሰራዊት ስልጣን ምሓዞም ተቓዊሞሞ ኣለው።

“እቲ ናይ ወታደራት ኣዋጅ ዘጉሂ እዩ” ኢሉ መሓመድ ዓሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃቦ ር እይቶ “መሓመድ ናይቲ ለውጢ ኩሎም ዕላማታት ስለዘየማልእ።ሰልፈኛታት ናይ ሱዳን ናይ ለውጢ ሕቶ ክሳብ ዝዕወት ኣብ ፊት ንፊት ዋና ቤት ፅሕፈት ሰራዊት ኮፍ ክብሉ ክሓቶም እደሊ’’ኢሉ።

ሱሃ ኣሕመድ ዝተባህለት ተቓዋሚት እውን ሰልፈኛታት ክልተ ዓመት ወታደራዊ ግዝኣት ኣይቅበሉን ኢሉ። “ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መግዛእቲ ሕቶታትና ብስቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳብ ዝምለስ ኮፍ ምባልና ክቕፅል እዩ’’ ኢላ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ካርቱም መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስ ፕሮፈሰር ሓሳን ሓጂ ገለ ተቓወምቲ ጉጅለታት ንወታደራዊ መንግስቲ ክነፅጉዎ እዮም ኢሎም።

“ናይ ስቪል ካብኔ ተጣይሹ ንሓፈሻዊ ምርጫ ምድላው ዝገብር መሰጋገሪ መንግስቲ እዮም ዝደልዩ ዘለው።”

ንሶም ብተወሳኺ ቀፃሊ መራሕቲ ሱዳን ዘጋጥሞም ዓበይቲ ብድሆታት እውን ገሊፆም ኣለው ፕሮፌሰር ሓሳን ሓጂ።

“ቅድሚ ኩሉ ንዝሓለፈ ዓመት እናቆልቆለ ዝፀንሐ ቁጠባ ኣለና።ንመብዛሕቲኡ ህዝቢ ሱዳን ቀንዲ ዘገድስ እዚ እዩ፤ንዝውሓደ ድልየት ስድርኦም ዘርዊ እዚ እዩ።”

ባሽር ኣብ ዳርፊር ሱዳን ተፈፂሙ ብዝብሃል ገበናት ኲናት ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ተደላዩ እዮም።ፕሮፈሴር ሓጂ ግን በሽር ንፍርዲ ናብ ወፃኢ ክልኣኹ እንተኾይኖም ጥርጣረ ኣለዎም።

“ኣብ ሱዳን ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ንዝተፈፀመ በደል ክፍታሕ ዝደልዩዎ ብካሊእ መንገዲ እዩ።ገለ ሰባት ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ወይ ሞሮኮ ኮምሽን ሓቅን ፍትሕን ተሞኩሮ ንውሰድ ዝብሉ ኣለው።ሰባት እዚ ብናይ ዱሳን ባህላዊን ኣፍሪካዊ መንገድን ክፍታሕ ኣለዎ ይብሉ።”

ብመሰረት መንግስታዊ ማዕኸናት ዜና ሓያል ሃገራዊ ድሕነትን ኣገልግሎት ስለያን ሱዳን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝርከቡ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ እዮም ኢሉ’ሎ ።

ዑመር ኣል-በሽር ናብ ስልጣን ዝደየቡ ኣብ 1989 ብዝተኻየደ እስላማዊ ዕልዋ እዩ።

XS
SM
MD
LG