ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ሰብ ሞያ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይን ውሳነ ፈደራል ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያን


ዶ/ር ጌታቸው አሰፋ
ዶ/ር ጌታቸው አሰፋ

ፈደራል ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ከምዘይተኻየደን ተፈጻምነት ዘይብሉን ዘይጸንዕን ኢልዎ ኔሩ`ዩ።

ትማሊ ንተለቪዥን ኢትዮጵያ ዝተዛረበ ኣፈ-ጉባኢ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ኣደም ፋራሕ፥ ምስቲ ዘይ-ሕጋዊ ዝበሎ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ርክብ ከምዘይህሉ ተዛሪቡ`ሎ።

`ምስ ርክብ ተተሓሒዙ መሰረት ዝኸውን ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይን ላዕለዎት ኣፈጸምቲ ኣካላትን ሕገ-መንግስታዊ ተቐባልነት የብሎምን፣ ሕጋዊ ኣካላት ኣይኮኑን፣ ስለ-ዝኾነ ድማ ኩሎም ናይ ፈደራል ትካላት ምስኣቶም ዝኾነ ዓይነት ርክብ ኣይክህልዎምን`ዩ` ኢሉ።

ኮይኑ ግን ፈደራል መንግስቲ ንልምዓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝምልከት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ማእከል ብምግባር ምስ ናይ ወረዳን ቀበሌን ከምኡ`ውን ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ትካላት ጥራይ ናይ ስራሕ ርክብ ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ኣቶ ኣደም ፋራሕ ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ናይ ክልላት ህዝብታት፥ ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎት ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ናይ ጽሩይ ማይ ፥ ከምኡ`ውን ናይ መግብን ካልኦትን ንናብርኡ ዝምልከቱ ኣገልግሎታት ከምዝረክብ ተገይሩ ዝተወሰነ`ዩ ኢሉ ። እዚ ድማ ብመንጽር ንህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለና ክብሪ ዝተራእየ`ዩ: ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ እቲ ሕገመንግስቲ ዘጓናጸፎም መሰላት ክረኽቡ ይግባእ ዝበለ ኣቶ ኣደም፥ ንኣፈጻጽምኡ ብዝምልከት፥ ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኣብ መጽናዕቲ ተመርኩሱ ዝፍጽሞ`ዩ ዝኸውን ኢሉ።

ንባጀት ብዝምልከት ድማ ርክብ ምግባር ዝክኣል ምስ ሕጋዊ ኣካል ጥራሕ`ዩ ኢሉ።

"ፈደራል መንግስቲ ንክልላታት ዝህቦ ባጀት ብዝምልከት ባጀት ክምድበሉ ዝኽእል ንሕጋዊ ኣካል ጥራይ`ዩ። ስለዚ ምስ ቤት-ምኽሪ ክልል ትግራይን ምስ ፈጸምቲ ኣካላትን ዝኾነ ሕጋዊ ርክብ ክገብር ሰለዘይክእል ናይ ገንዘብ ድጎም ክገብረሎም ኣይክእልን`ዩ ማለት `ዩ" ኢሉ።

ብዛዕባ ሕጋውነት `ዚ ቪኦኤ ዘዘራረቦ በዓል-ሞያ ሕግን ኣብ ዩኑቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፈሰር ሕግን ጌታቸው ኣሰፋ፥ ኣብ ፈደራል ስርዓት ከምዚ ዓይነት ርክብ ፍጹም ዝተለምደ ኣይኮነን ይብል።

"ኣብ ፈደራል ስርዓት ዝተለምደ ኣሰራርሓ ኣይኮነን። እቶም ጸገማት ቀልጢፎም ፍታሕ ክረኽቡ ኣለዎም ክሳብ መኣስ ክቕጽል ይኽእል? ሓደ ወገን ዝወስዶ ስጉምቲ ናብ ካልእ ዝተኻረረ ደረጃ ክሳብ ዘብጽሕ ዲና ንጽበ ዘለና፣ እዚ ውሳነ እንታይ ማለት`ዩ ዝብል ብሓቂ ኣጸጋሚ ውሳነ ይመስለኒ። ኣብ ቀጻሊ`ውን ርክብ ፈደራልን ክልልን እንታይ ክኸውን ከምእንጽበ ጭራሽ ኣጸጋሚ`ዩ " ኢሉ።

ኣተሓሒዙ ንባጀት ዝምልከት ፈደራል መንግስቲ ነቲ 80% ባጀት ክልላት ዝሽፍኖ ስለዝኾነ ኣብ ክልል ትግራይ`ውን ተጸዕኖ ክህልዎ`ዩ ዝበለ ዶ/ር ጌታቸው ኣሰፋ፥ቀጥታዊ ጽልውኡ ግን ኣብ ኣፈጻጽምኡ ዝርኣይ`ዩ ዝኸውን ኢሉ።

ትማሊ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓቖፉን ቅድሚ ሎሚ ምስ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ዝቃደዉን ምዃኖም `ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ሕወሓት ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ካብ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ካብ ቤት ባይቶ ወከልቲ ከምኡ ካብ ባይቶ ፈደረሽን ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከምዘይህልዎ ምፍላጡ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG