ብምኽንያት ፋሲካ ትማሊ መልእኽቲ ዘሕለፉ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ምስ ህዝቢ ዩክሬን ስቓዮም ከምዝካፈሉ ገሊጾም።
ትማሊ ሰንበት ኣቆጻጽራ ጎርጎርያን ብዝኽተላ ኣብያተ-ክርስትያናት በዓል-ፋሲካ ተኸቢሩ።
ካቶሊካዊ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ነቲ ትማሊ ዝተኸብረ በዓል፡ ትንሳኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ግዳያት ዩክሬን ኣብ ልብና ኣለኹም ኢሎም።
“ብዙሓት ዩክሬናውያን ግዳያት፡ ሚልዮናት ስደተኛታት፡ ዝተፈላለያ ስድራቤታት፡ ብድሕሪት ዝተረፉ ኣረጋውያን፡ ካብ ዂናት ዝሃድሙ ዘለዉ ዘኽታማትን ዝዓነዋ ከተማታትን ኣብ ልብናን ብጸሎትናን ንዝክረኩም" ኢሎም።
ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራሲስ ኣተሓሒዞም ግዳያት ዩክሬን ምስቶም ኣብ ዙርያ ዓለም ብጥምየትን ስእነት ሕክምናን ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣህዛብ ዝመሳሰል`ዩ ኢሎም።
ብኻልእ ዜና፡ ኣብታ ዝተኸበበት ከተማ ዩክሬን ዝኾነት ማሪፖል፡ ዂናት ምቕጻሉ ይንገር ኣሎ። ሓይልታት ሩስያ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ደብዳብ ነታ ከተማ ከምዘዕነዉዋ ይግለጽ።
ሰበ-ስልጣን ዩክሬን ኣብ ከተማ ማሪፖል ጥራይ ኣስታት 20 ሺሕ ሲቪላት ከምዝተቐተሉ ይገልጹ።
ሓይልታት ሩስያ ነታ ከተማ መሊኦም እንተተቖጻጺሮማ፡ሰራዊቶም ምስ`ቶም ኣብ ዞቫ ዶንባስ ዘለዉ ከተኣሳስሮም ስለዝኽእል ስትራተጂያዊ ዓወት ክህቦም`ዩ።
ንግዳያት ሲቪላት ብዝምልከት ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚንስተር ዩክሬን ደኒስ ሽምሃል፡ ኣብ ማሪፖል ዘሎ ቅዝፈት ደው ክብል ጻዊዒት ኣቕሪቡ`ሎ።
"ሲቪላት ንልዕሊ 40 መዓልታት ብሰብኣዊ ቅልውላው ይሳቐዩ ኣለዉ። ሰባት ብሕጽረት ማይ:መግቢ:ኤለክትሪክሲቲ ይሳቐዩ ኣለዉ። ስለዚ ኩሎም መሻርኽትና ነዚ ኣብ ማሪፖል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ደው ኣብ ምባል ክሕግዙ ንጽውዕ" ኢሉ።
ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ደቪድ ቢያስሊ ብወገኑ፡ ከም ኣብ ማሪፖል ዘጋጠመ ዕንወት፡ ኣብ ማእከል ዂናት ኣቲኻ ሰብኣዊ ረድኤት ምሃብ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘርኢ`ዩ ኢሉ።
ኣብ ውሽጢ ዩክሬን ንሚልዮናት ሰባት ንሕግዝ ኣለና ዝበለ ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓይልታት ሩስያ መንገዲ ኣብ ዘይከፈቱልና ከም ማሪፖል ዝበላ ከተማታት ግን ኣጸጋሚ`ዩ ኢሉ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ከተማ ማሪፖል ዩክሬን ዝዋግኡ ዘለዉ ናይ ኤውሮጳ ወይ ካናዳ ዕሱባት ክብል ድሕሪ ምጽዋዕ፡ መበዛሕቲኦም ሞይቶም`ዮም ወይ ካብታ ሃገር ሃዲሞም`ዮም ኢሉ።ኣስዒቡ፡ ዝተረፉ እንተለዉ ግን፡ ኢዶም ክህቡ ዕድል ሂብና ኣለና ኢሉ። እቶም ተዋጋእቲ ግን ከምዘይተቕበልዎ ይገለጽ።
ሩስያ ለንቅነ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዒላማታት ዩክሬን መጥቃዕትታት ኣሓይላ'ላ። ንሱ ድማ ነታ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝጠለቐታ ዓባይ ናይ ውግእ መርከብ ሕነ ምፍዳይ ይመስል።
ሩስያ እታ መርከብ ባርዕ ሓዊ እዩ ኣጋጢምዋ ክትብል ከላ፥ ብኣመሪካ ትሕገዝ ዘላ ዩክሬን ግን ብተመራሒ ሚሳይል ናብ ምድሪቤት እታ መርከብ ዝገበርክዎ መጥቃዕቲ እዩ ትብል።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ናብታ ኣብ ዂናት ዘላ ዩክሬን ክበጽሕ መራሒ ዩክሬን ዓዲምዎ'ሎ።