ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነበር ጳጳስ ቤነዲክት ኣብ ዝዓረፈሉ ምእመናን ንዕኦም ዘለዎም ክብሪ ንምግላፅ ኣብ ቀፀሪ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሰሪዖም ይርኣዩ’ለዉ።
ገለኦም እቲ መዓፁ ኣብ መወዳእትኡ ክሳብ ዝኽፈት ንሰዓታት ከምዝተፀበዩ ተገሊፁ’ሎ።
ቪቪያን ኢስካላንተ ዝተባህላ ካቶሊካዊት ድንግል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤነዲክት “ምሁር ሃይማኖትን ኣምላኽ ምስ ምዃኖም ንኣምላኽ ብዓሙቕ ክንፈልጥ ዕድል ሂቦምና ትሑት ብምዃኖም'ዉን ክንቀርቦም ብቀረባ ክንፈልጦምን ክንርድኦምን ኪኢልናን” ክብላ ተዛሪባን።
ሃይማኖታዊ ልብሲ ዝለበሰ ሬሳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤነዲክት ክሳብ ረቡዕ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ክፀንሕ'ዩ።ዳይሬክተር ደናግል ክርስጽ ናንሲ ኖህርደን “ንሕቶታት’ዚ እዋን ብቃልዕ መልሲ ንምሃብ ዘይፈርሁን ብልቦም ሰዓቢ ክርስቶስን ክሳብ መወዳእታ ክርስቶስ ክመርሖም ዝቆረፁን’ዮም ኔሮም” ክብላ ገሊፀንኦም። ካብ ቫቲካን ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዝሓበሮ ቅድሚ ምዕራፎም ናይ መወዳእታ ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤነዲክት “ጎይታ ኤፍቅረካ’የ” ዝብላ’ዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቤነዲክት ኣብ መበል ፱፭፡ዓመት ዕድሚኦም ብቀዳም’ዮም ዓሪፎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ፍራንሽ ኣብቲ ሓሙስ ዝፍፀም ስነ፡ስርዓት ቀብሪ ር እ ሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቤነዲክት ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፈላማይ ቅድሚኦም ናይ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝመርሑ ክኾኑ’ዮም ።