ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬሳ 62 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ኮምስ ሊብያ ምርካቡ ተገሊጹ


ሰራሕተኛታት ቀይሕ ወርሒ ብቐዳም ሬሳ 62 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ኮምስ ምርካቦም ገሊጾም።

ኣስታት 300 ስደተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ብሓሙስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምጥሓላ ሃለዋት 115 ካብቶም ስደተኛታት ከምዘይተረኽበ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ኣቐዲሙ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣስታት 150 ካብቶም ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ብምባል ’እቲ ዝኸፍአ ናይዚ ዓመት ሓደጋ ማእከላይ ባሕሪ’ ክብል ነቲ ፍጻመ ምግላጹ ይዝከር።

ሬሳ 62 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ኮምስ ሊብያ ምርካቡ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:10 0:00

ገለ ካብቲ ዝተረኽበ ሬሳ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ታጁራ ምቕባሩ ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ግብጺ፡ሱዳንን ሊብያን ዝመጹ ምዃኖም ሰበ ስልጣን ሊብያ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG