ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬሳ ኣብ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበሩ 28 ኬንያዊያን ንስድራቤቶም ተዋሂቡ


ሬሳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኢትዮጵያ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበሩ 28 ኬንያዊያን ናይሮቢ ኣትዩ። ሬሳ እቶም ግዳያት ንክቕበር ንስድራቤቶም ከምዝተዋህበ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብታ ነፋርቲ ካብ ዝነበሩ 32 ኬንያዊያን ሬሳ እቶም 28 ዝሓዘት ነፋርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ንግሆ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ጀሞ ኬንያታ ከተማ ናይሮቢ ምእታዋ ተፈሊጡ’ሎ።

አባላት ስድራ’ቶም ግዳያት’ውን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ምንባሮም ተገሊጹ’ሎ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ማኒካ ደማን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ንአባላት ስድራቤት ግዳያት ተቐቢሎም፡ኣዘራሪቦም።

“ምስቶም ስድራቤታት ናይ ምርኻብ አጋጣሚ ረኺብና ኔርና። ናይ መወዳእታ ናይ ስንብት ዓለምለኸ ስነ- ስርዓት ጸሎት ንምግባር አጋጣሚ ረኺብና። ንሸውዓት ኣዋርሕ ብጓሂን ሓዘንን ተዋሒጦም’ዮም ጸኒሖም።ቐቢሮም ነዚ መዛዘሚ ክገብረሉ ተስፋ ንገብር።”

ሬሳ እቶም ግዳያት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኬንያ ስነ ስርዓት ጸሎት ምስ ተገብረሉ ንስድራቤት ተዋሂቡ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተበጊሳ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ዝወደቐት ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተሳፊሮም ዝነበሩ ተጉዓዝቲን ኣባልት’ታ ነፋሪት ብምልኦም በቲ ሓደጋ ምሟቶም ይዝከር።

ቦይንግ ንግዳያት ክሳብ 50 ሚልዮን ዶላር ካህሳ ከምዝህብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG