ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬሳ ንግስቲ ኤልሳበጥ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሓሉ ቤተ መንግስቲ ለንደን ተነቢሩ


ሎም ቅነ ዝዓረፋ ናይ እንግሊዝ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሬስኤን ሎሚ ረቡዕ ካብ ቤተ መንግስቲ ባክንግሃም ናብቲ ኣብ ሎንደን ዝርከብ ኣደራሽ ዌስት ሚንስትሪ ተወሲዱ ድሕሪ ሓጺር ስነ ስርዓት ጸሎት ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ክዓርፍ ተገይሩ'ሎ።

ንጉስ ቻርለስ 3ይ ምስ ደቆም ዊልያምን ሄሪን ኣሕዋቶም ኣን ኣንድሩን ኤድ ዋርድን ብምዃን ኣሰንዮሞ'ለዉ።

ነቲ ስነ ስርዓት ጸሎት ናይ ካንቲበሪ ከተማ ርእሰ ጳጳስ ጀስተን ዊልበይን ንዌስት ሚንስትሪ ደቪድ ሆሊ ዝመርሕዎ ክከውን ከሎ ኣብዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ልእልቲ ዌልስ ካትሪን ሜገን ዳች ኦፍ ሳሰክስ በዓልቲ በት ንጉስ ቻርልሰ ንግስት ካሜላ ተረኺበን ኔረን።

እቲ ስነ ስርዓት ብደወላት ዝተሰነየ እዩ ኔሩ።

ከምቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባክንግሃም ዝነበረ ኣሽሓት ሰባት ሎሚ እውን ነተን ንግስቲ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ናብ ዌስት ሚንስትሪ ተጓዒዙ'ሎ።

ኣብኡ ኸኣ ህዝቢ ሓዘኑ ንዕአን ዘለዎ ክብሪን ንኽገልጽን ክሰናበተንን ንኣርባዕተ መዓልታት ንህዝቢ ክፉት ከኸውንእዩ።

ሰነ ስርዓት ቀብረን ኸኣ 19 መሰከረም ኣብ ዌስት ሚንስትሪ ክፍጸም እዩ።

XS
SM
MD
LG