ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ራብዓይ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ኣቡነ መርቀርዮስ ዓሪፎም


ራብዓይ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ኣቡነ መርቀርዮስ
ራብዓይ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ኣቡነ መርቀርዮስ

ራብዓይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ መርቆሬዎስ ከምዝዓረፉ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኣፍሊጡ።

ኢህወዴግ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ናብ ኣመሪካ ዝተሰደዱ ኣቡነ መርቆሬዎስ፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ፣ ክሳብ ሽዑ ግና ‘ስደተኛ ሲኖዶስ’ ይባሃል ንዝነበረ ይመርሑን ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን የገልግሉ ከምዝነበሩን ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

ምምሕዳር ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ መዝነት ምስ መጸ ድሕሪ ዝተገብረ ጽዑቅ ሽምግልና ምስ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሲኖዶስ ዕርቂ ብምፍጣር፣ ኣቡነ መርቆሬዎስ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱን ምስ ኣቡነ ማቲያስ መንፈሳዊ መራሒ መንበረ ፓትሪያርክ ኾይኖም ከምዝጸንሑን’ውን ድምጺ ኣመሪካ ዘዳለዎ ዜና ገሊጹ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቡነ መርቆሬዎስ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ክፍጸም እዩ።

XS
SM
MD
LG