ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ራብዓይ ጉባኤ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኢህወደግ አብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ


ራብዓይ ጉባኤ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኢህወደግ አብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።ኣብቲ ጉባኤ ወይዘሮ መሰረት መስቀሌ ኣደ መንበር እቲ ሊግ ብምዃን ተመረፂን።

ራብዓይ ሱርዕ ጉባኤ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራስያዊ ግንባር(ኢህወደግ) ንሰለሰተ መዓልታት ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝቐነየ ትማሊ ተዛዚሙ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣደ መንበር እቲ ሊግ ዝነበራ ሚንስተር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ዘስምዕኦ ዘረባ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዝጊቡ ዝበልኦ ቁጠባዊ፣ ማህበራዊን ፖለቲካዊ ለውጥታት ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ኣበርክቶ ነይርዎን ኢለን።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ተስፋን ስግኣት ኣላ ዝበላ ወይዘሮ ሙፈርያት ከም ሃገር ዝርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ደቂ ኣንስትዮ ግደአን ከበርክታ ይግባእ ኢለን።

ኣብ ዘረበአን ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ዘሎ ንሕንሕ ህዝቢ ይጎድእ ምሃለዉ ገሊፀን።

ህዝቢ ከም ህዝቢ ንሓድሕዱ ፅላኣት የብሉን ዝበላ ወይዘሮ ሙፈርያት ህዝቢ ካብ ፍቕሪ ወፃኢ ኣጀንዳ የብሉን ኢለን። "ነባእሶ ዘለና ንሕና ኣመራርሓ ኢና ነቲ ህዝቢ ንገደፎ" ኢለን።

ናይ ኽብሪ ጋሻ እቲ ጉባኤ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ደቂ ኣንስትዮ ንነፃነትን ዴሞክራሲን ኣብ ዝተገበረ ቃልሲ ናይ ባዕለን ግደ ኣበርኪተን እየን ኣብ ልምዓትን ህንፀት ሃገርን እውን ልዑል ኣበርኽቶ ኣለወን ኢሎም።

"ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ንዝተመዝገቡ ለውጥታት ናይ ሓባር ንዝተፈፀሙ ስሕተታት ግና ናይ ህወሓትን ተወለድቲ ትግራይን ጥራሕ ተገይሩ ይግለፅ ኣሎ" ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን "እዚ ኣካይዳ ድማ ኣብ ክንዲ ተኸባቢርካ፡ሓቢርካ ምንባር ተቐያይምካ ተፃሊእኻን ንምብትታን ዘቀላጥፍ እዩ" ብምባል ተዛሪቦም።

ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደቂ ኣንስትዮ ፃዕረን ከሐይላ እውን ፀዊዖም።

ኣደ መንበር እቲ ሊግ ዝነበራ ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ጊዜ ስርሐን ብምዝዛሙ ሓዳሽ ኣደ መንበር ተመሪፀን።

ብመሰረት እዚ ወይዘሮ መሰረት መስቀሌ ካብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ (ደኢህዴን) ኣደ መንበር ወይዘሮ መስከረም ኣበበ ድማ ካብ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኣዴፓ) ምክትል ደዶ መንበር ብምዃን ተመሪፀን።

ወይዘሮ መሰረት መስቀሌ ኣብ ዘስምዕኦ ዘረባ ሰላም ንምስፋን ፣ ተጠቃሚነት ደቂ ኣንስትዮ ፣ ንሓድነት ሃገርን እና ምቅርራብ ህዝብታት ከምዝሰርሓ ተዛሪበን።

እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ከተማ ክኻየድ ዝቐነየ ጉባኤ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኢህወደግ "ዝተወደበ ተሳትፎን ተጠቃሚነትን ደቂ ኣንስትዮ ንኹለመዳያዊ ሃገራዊ ብልፅግና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ ።

እቲ ጉባኤ በዓል ሸውዓተ ነጥብ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ዝተዛዘመ ኮይኑ ቐፃሊ ጉባኤ እቲ ሊግ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኦዴፓ) ከሰናድኦ ተወሲኑ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ራብዓይ ጉባኤ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኢህወደግ አብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:44 0:00

XS
SM
MD
LG