ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፖርት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት  ክልል ትግራይ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት(ኦቻ )ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ኩነታት ሎሚ’ውን ጽንኩር እዩ ዘሎ፣ ውግእ ኣብ ምሉእ’ቲ ክልል ብሕልፊ ኣብ ማእከላዊ ዞባ ይጋፋሕ ከምዘሎ ሓበሬታ ይመጸና ኣሎ ይብል ።

ብዘይካ'ዚ፣ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ፍተሻ፣ ስርቂ፣ ምቅታልን ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን ይቅጽል ኣሎ ይብል። "ዋላ’ውን ኣብ መላእ ትግራይ ብዙሕ መግቢ ይዕደል እንተሎ፣ ረድኤት ናብ’ቶም ኣዝዩ ዘድልዮም ሰባት ከምዝተባጸሐ ንምርግጋጽ ዝያዳ ስራሕቲ ቁጽጽር ንክህሉ" ኦቻ ኣተሓሳሲቡ' ሎ።

እቲ ሪፖርት ወሲኹ፤ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ትግራይ ንምብጻሕ ዘይተደረተ ምንቅስቃስ ትካላት ረድኤት ሎሚ’ውን ከምዘድሊ፣ ተግባራት መከላኸሊን ካልኦት ህይወት ኣድሕን ኣገልግሎታት ዝያዳ ንምብጻሕ ተወሳኺ ሓገዛት ከምዝጽበ ኣገንዚቡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ትግራይ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓገዝ ንምክፍፋል 33.9 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ፣ 61 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሰጊሮም ኣለው ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG