ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፖርት ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ጉዳይ ኣብ ኦሮምያ ዝተቐትለ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ


ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንሓደ ወዲ 17 ዓመት ኣብ ፀሓይ ዓራርቦ ከምዝቐተሉዎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ገሊፁ።ኣማኑኤል ወንድሙ ኣብ ኣደባባይ ምርሻኑ ኣብታ ሃገር ሓይልታት ፀጥታ ዝፍፀምዎ በደል ተሓተቲ ዘይምዃኖም ዝሕብር እዩ ኢሉ ኣሎ።

ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝወፀ ቪዲዮ ብምጥቓስ 11 ግንቦት 2021 ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ከተማ ደምቢዶሎ ንኣማኑኤል ሒዞም ብምቕጣቃጥ ኣብቲ ዕለት ኣብ ኣደባባይ ረሺኖምዎ ይብል ።

ብኻልእ ወገን እቲ ተግባር ምፍፃሙ ዝገለፁ ምኽትል ሓላፊ ፀጥታ ኢንስፐክተር ኣሕመድ ያስን ኣብ ልዕሊ ኣማኑኤል ዝተወስደ ስጉምቲ ብምርግጋፅ ‘'ሲሳይ ፊዳ ንዝተባህለ ጋዜጠኛ ቶኲሶም ብምቕታል ካብ መንጎ ዝተርጠሩ ምዃኑ ባዕሉ ኣረጋጊፁልና እዩ’’ኢሎም ኣለው።

ወላዲ ኣቡኡ ንኣማኑኤል ኣቶ ወንድሙ ከበደ ግን ውላዶም ፖሊስ ዝበሎ ገበን ፈፂሙ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ብምግላፅ "ወደይ ብገበን ዝጥርጠር እንተዝኸውን እውን ካብ ዝቕተል ኣብ ቅድሚ ዳኛ ክቐርብ ነይሩዎ’’ኢሎም።

ምኽትል ሓላፊ ፖሊስ ዞባ ቀሌም ወለጋ ኢንስፔክተር ኣሕመድ ያሲን ግን ካብ ፖሊስ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እዩ ተቐቲሉ ኢሎም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ደምቢዶሎ ኣማኑኤል ወንድሙ ብዘይፍርዲ ዝተቐትለሉ ኣገባብ ኣተሓሳሲቡኒ ክብል ብምሕባር ተፃሪዩ ስጉምቲ ክውሰድ ዘተሓሳስብ መግለፂ ኣብቲ እዋን ኣውፂኡ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG