ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩዋንዳ: 66 ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝጸንሑ ሓተቲ ዑቕባ ተቐቢላ


ሱዳናዊያን፣ሶማሊያዊያንን ኤርትራዊያንን ዝርከብዎም 66 ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ካብ ዝርከብ መዳጎኒ ወፂኦም ትማሊ ሓሙስ ናብ ሩዋንዳ ተወሲዶም።ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ነቲ ጉዕዞ ከምዝመወሎ ተፈሊጡ’ሎ።

እዞም ስደተኛታት ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ኣብ መንጎ ሩዋንዳ፣ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተበፅሐ “ህፁፅ መስርሕ ምውፃእ’’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ስምምዕ ፈላሞት ተጠቀምቲ ኮይኖም ኣለው ።

ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ባባር ባሎች ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ትካሎም እቲ ስደተኛታት ናይ ምውፃእ ስራሕ ክቕፅል ትፅቢትን ተስፋን ከምዘለዎ ገሊጾም።ናይ ሩዋንዳ ማእኸል መዕቖቢ ስደተኛታት ን500 ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከምዘለዎ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

“እዚ ማለት ሩዋንዳ 500 ጥራሕ ክትወስድ ማለት ኣይኮነን።ዝመፁ ሰባት ነባሪ ፍታሕ ክረኽቡን ናብ ዝሓሸ ውሑስ ከባቢ ክግዕዙን ተስፋ ንገብር።ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታትን ሰሙናትን ተወሰኽቲ ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ክነውፅእ እውን ተስፋ ነገብር ኢና።”

ባሎች ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳጎኒ ማእኸላት ሊቢያ ንልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ከምዝመዝገበን ልዕሊ 5,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ግን ብመንግስቲ ኣብ ዝውነኑ መዳጎኒታት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተታሒዞም ከምዘለውን ሓቢሮም ።

ሩዋንዳ: 66 ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝጸንሑ ሓተቲ ዑቕባ ተቐቢላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:23 0:00


22 ካብቶም ዝተወስዱ 66 ስደተኛታት አላይ ዘይብሎም ቆልዑት ምዃኖምን ገሊኦም ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብኡ ከምዝነበሩን ተገሊጹ ሎ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ዋና ከተማ ኪጋሊ 60 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብዝርከብ ማእኸል ጋሾራ ከምዝተወሰዱን መዕረፊ፣መግቢ፣ማይን መሰረታዊ ዝኾኑ ናይ ረድኤት ናውትን ከምዝተወሃቡን ተፈሊጡ’ሎ።

“ክኢላታት ስነ ልቦና ሓዊሱ ትሸዓተ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝርከቡዎ ጉጅለን ንቆልዑን ፆታዊ ዓመፅ ንዝተፈፀመንን ዝተፈለየ ምኽሪ ምስ ዝህቡ ብሓባር ክሰርሑ እዮም።ኣብ ሊቢያ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ዝወረዶም ስቅያት፣ፆታዊ ዓመፅን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓገዝ ክህቡ እዮም።

“ኣብ ሩዋንዳ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝረኽብዎ ናይ ትምህርቲ ይኹን ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ እዮም።”

XS
SM
MD
LG