ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩዋንዳ ንናይ 100 መዓልታት ስቅያት ትዝክር


ሊዲያ ኡዋምዌዚ
ሊዲያ ኡዋምዌዚ

ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ሩዋንዳ ብሰንኪ ዝተፈፀመ ምፅናት ዓሌት መብዛሕቲኦም ዓሌት ቱትሲ ዝኾኑ 800,000 ዝግመቱ ሰባት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተቐቲሎም።ድሕሪኡ ሩዋንዳ ኣሰቃቒ ህልቂት ካብ ዘስዓበ ፍፃመ ንምሕዋይ ብዙሕ ገስጋስ ኣርእያ፤ብመሰረት ባንኪ ዓለም ቁጠብኣ ካብ 2003 ዓ.ም ጀሚሩ በብዓመቱ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሚእታዊት ዕብየት ኣርእዩ ። በዚ ዘስካሕክሕ ታሪኽ ዝሓለፉ ሩዋንዳዊያን ድሕሪ 25 ዓመታት ነቲ ዝሓለፉዎ ብከምዚ ይዝክርዎ።

ሊዲያ ኡዋምዌዚ ጓል 46 ዓመት ሩዋንዳዊት ሓረስታይ’ያ።ሎሚ ሓዳር ይኹን ውላድ የብለንን።ኣብ ናይ ሩዋንዳ ከተማ ኛንሙጋሊ ይነብራ።ሊዲያ ቅድሚ ከባቢ 25 ዓመት ኣብ ሩዋንዳ ብዝተፈፀመ ጃምላዊ ምፅናት ዓሌት 73 አባላት ስድራቤተን ስኢነን’የን።በዓል ቤተን፣ደቀንን ካልኦት ኣባላት ስድርአንን ኣብ ጥቓ ነኣሽቱ ከተማታት ኪግናንን ኛሩቡዮን ኣብ ዝርከብ ቀላይ ተደርቢዮም።ሊዲያ ሎሚ ፋርዥ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ካብ ጃምላዊ ጭፍጨፋ ዝተረፉ ሰባት በብወርሑ ሓገዝ ገንዘብ እናተገበረሎም ኣብ ዝነብርሉ ቦታ ይንበራ።ሊዲያ ብዓል ቤተን ኣብ ዝተቐትልሉ እዋን ብብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ፆታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ይገልፃ።‘’ዕድመን ጥዕናን ክህበንን ክፉእ ከየጋጠመኒ ብናይ እግዝሄር ሞት ክሓልፍን እየ ዝደሊ’’ይብላ።

ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ቋንቋ እንግሊዝኛ ሓፂር ቃለ ምልልስ ኣካይደን ኣለዋ።

ሕቶ፡ካብቲ ጭፍጨፋ እንታይ ትዝክራ?

ሊዲያ፡ ኩላቶም ደቀይ፡በዓልቤተይ፣ወለደይ፣ናይ በዓልቤተይ ወለድን ኩሎም ስድርኦምን ቀቢፀ።ቀደም ሓንቲ ሰበይቲ ሰብኣያ እንተሞይትዋ ስድርኣ ወይ ካልኦት ሰባት ይሕግዙዋ፣ይድግፉዋ ነይሮም።ንሕና ግን ነዚ ኣይተዓደልናን።ኣብቲ እዋን ከምኡ ዝበለ ክፉእ ዕጫ ዘጋጠመኒ ኣነ ጥራሕ እየ ኢለ እሓስብ ነይረ።ፀኒሑ ግን ከማይ ዝበላ ብዙሓት ከምዘለዋ ተረዲአ።ልዕሊ ኩሉ ዝጎድአኒ ነገር ኣሕዋተይን ኣሓተይን፣ደቀይን በዓልቤተይን ስለእተመንጠልኩ እዩ።

ሕቶ፡ስለ ምንታይ እዩ ነዚ ብዝተፈለየ ኩነታት እትዝክርኦ ዘለኽን?

ሊዲያ፡፡ደቀይ ክቕተሉ ከለው ምስኦም ነይረ፤ኣብ ቅድመይ እዮም ተቐቲሎም።ኣብ መንጎ ኪጊናን ኛሩቡያን ቀላይ ኣሎ።እቲ ህውከት ናብኡ ክንሃድም ኣገዲዱና።ኣብኡ ምስ በፃሕና ደቂ ኣንስትዮ ንዝኾና ክገድፉና ኢንተርሃምዌ ትእዛዝ ሂቡ።ኣነ ንርእሰይ ሰለስተ ደቂ ተባዕቲዮ ደቐይን ሓደ ወዲ ሓፍተይ ኢና ኔርና።ንሰባት ብገጀራ ምጭፍጫፍ ምስ ደኸሞም ንደቀይ ናብቲ ቀላይ ደርቢዮምዎም።ኣነ እውን ኣብ ሒቖይ ዝነበረ ማሕዘል ናብቲ ቀላይ ደርብየዮ።ነቲ ማሕዘል ኣውፂኦም ንዓይ እውን በከቢድ ቀጥቂጦምኒ። “ካባና ክትወልዲ ኢኺ፤እቲ ማሕዘል ስለዘድልየኪ ኣይትደርብይዮ፣ሓዝዮ።ንቱትሲታት ቀቲልናዮም ኣለና፣ንስኻትክን ንደቂ ሁቱ ክትሓዝላሉ ኢኽን’’ እናበሉ እዮም ቐጥቂጦምና።

ንደቀይ ድሕሪ ምቕታሎም ናብ ኣዛዚ ኢንተርሃምዌ ወሲዶምኒ።ንሱ እውን ኣብ ቅድሚ ሰብ ደፊሩኒ።ድሕሪኡ ካልኦት እውን እናተቐባበሉ ተጋሲሶምኒ።ብዓሙቕ ዝቖሰለ ስምዒት እዩ ዘለኒ።ፈፂመ ኣይርስዖን እየ።

ሕቶ፡እቲ ጭፍጨፋ ደው ምስ በለ ዝነበረ ግዜ ከመይ ነይሩ?

ሊዲያ፡ድሕሪ እቲ ጭፍጨፋማ ኣባይትና ፈሪሶም፤ሰባት እውን ተቐቲሎም።ከይፈረሱ ናብ ዝተረፉ ናይ ካልኦት ሰባት ክሳብ ዝወስዱና ኣብ መዕቖቢ ቦታ ኣፅኒሖምና።ሃገራዊ ሓድነት መንግስቲ ምስ ተመስረተ ናሕስን መንደቕን ስንዕ ስንዕ ኣቢሎም ሰሪሖምልና።ፅኑዓት ኣባይቲ ግን ኣይነበሩን።ብርግፅ ድሓር ኣሐዲሶሙልናላ ሎሚ ኣብ ፅቡቕ ገዛ ንነብር ኣለና።ህይወት ቀፂሉ’ሎ።ሽዑ ብዕለታዊ ረድኤት ኢና ንንበር ነይርና።ሕጂ ንርከበሉ ኩነታት ካብቲ እዋን እቲ ዝነብረ ኣዝዪ ዝሓሸ እዩ።ሒደት ከብቲ ኣለዋና።ንቕድሚት ድማ ካብዚ ዝሓሸ ክኸውን ተስፋ ንገብር።

ሕቶ፡ሕጂ ካብ ልብኽን ዲኽን ይቕረ ኢልክን ዘለኽን?

ሊዲያ፡ስልጠና ክውሃበና ከሎ ይቕረ ዘይምባል ካልእ ዝኸበደ ጾር ምዃኑ ተረዲኢና።አረ ክሓውዩ ዘይኽእሉ ሕማማት ከስዕበልና ከምዝኽእል እውን ተረዲኢና ኢና!!ይቕረ ምባል ድሕሪ እቲ ስልጠና ዝወሰድናዮ ስጉምቲ እዩ።ይቕሬታ ዝሓተተ ይኹን ዘይሓተተ ይቕሬታ ክንበሃሀል ክኢልና።ኣነ ይቕረ ኢለዮም እየ።ናብቲ ባህላዊ ስነስርዓት ምንዛዝ እውን ኣይወሰድኩዎምን።ይቕረ ኢለዮም እየ።

ሕቶ፡ዕርቂ ዘካየደት ሃገር ንዓኽን ከመይ ትሪኢ?

ሊዲያ፡ዕርቂ ኣገዳሲ ነገር እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።ምኽንያቱ ዕርቂ ዘይብላ ሃገር ዝተመቓቐለትን ትበፅሖ ዘይብላን እያ ክትኸውን።ይቕረ ዘይበሉ እንተሃሊዮም ብድፍረት ይቕረ ክብሉ ኣለዎም።ምኽንያቱ ኣብ ልብኻ ቂምን ነገርን ሒዝካ ምስ ጎረቤትካ ብሰላም ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሩዋንዳ ንናይ 100 መዓልታት ስቅያት ትዝክር
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:35 0:00

XS
SM
MD
LG