ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ገለ ካብቶም ኣብ ዶብ ዩክሬን ዝነበሩ ሰራዊታ ልምምዶም ብምውድኦም ናብ መዓስከሮም ከምዝተመልሱ ትገልጽ


ሩስያ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ዶብ ዮክሬን ሰፊሮም ዘለዉ ሰራዊታ ወተሃደራዊ ልምምድ ድሕሪ ምውድኦም ናብ መዓስከሮም ከምዝምለሱ ኣፍሊጣ።

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኢጎር ኮናሸንኮ፡ ኣብ ዙርያ`ታ ሃገር ዝካየድ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ከም ዝቕጽል ብምግላጽ፡ ኣብ ምዕራባውን ደቡባውን ከባብታት ዝነበሩ ወተሃደራዊ ልምምዶም ዝወድኡ ግን ክምለሱ ከምዝጅምሩ ተዛሪቡ። እንተኾነ እቲ ምስሓብ ሰራዊት ካብ ከባቢ ዶብ ዮክሬን ክረጋገጽ ኣይተኻኣለን።

ሰራዊትና ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ ልምምዱ እንተወዲኡ ናብ ቦትኡ ክምለስ'ዩ ዝበለ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ብሸነኽ ምዕራባውን ደቡባውን ካብ ዝነበራ ኣሃዱታትና ገሊአን ድሮ ንብረተን ብባቡርን መካይንን ጽዒነን ክምለሳ ጀሚረን ኣለዋ ኢሉ።

እዚ ሓዲሽ መግለጺ ዝስማዕ ዘሎ፡ ሩስያ ንዩክሬን ንኸይትወራ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን`ዩ። ቻንስለር ጀርመን ሎሚ ሰሉስ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ንክራኸብ ናብ ሞስኮ ተጓዒዙ'ሎ ። ጀርመን እቲ ወጥሪ ብልዝብ ክፍታሕ ክትጽዕር ጸኒሓ`ላ።

ወሃቢ ቓል ፐንታገን ጆን ክርቢ ትማሊ ሰኑይ ንሪፖርተራት ክዛረብ ከሎ፡ ኣብዘን ዝሓላፋ 24 ወይ 48 ሰዓታት`ኳ ፕረዚደንት ፑትን ናብ ዶብ ዩክሬን ወታሃደራዊ ጋዕ ገልጠም ይድርብ ኣሎ፡ እዚ ድማ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንክትወስድ ጥራይ ዝግበር ነገር`ዩ ኢሉ።

ሩስያ ንዩክሬን ክወርር መደብ ይብለይን ግን ኔቶ ንዩክሬን ኣባሉ ክገብራ የብሉን እንተዘይኮነ ግን ብሸነኽ ምዕራባዊ ግዝኣተን ንጸጥታይ ይሰግእ`የ እያ ትብል።

ኣመሪካ: ኔቶን ዩክሬንን ድማ ነቲ ጠለብ ሩስያ ብምንጻግ፡ ሃገራት ናይ ባዕለይ ጸጥታዊ ስምምዓት ክገብራ መሰለን`ዩ ይብላ።

ትማሊ ብተለፎን ዝተዘራረቡ ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሊዮድ ኣስቲንን ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ክግበር ንዝኽእል ወራር ሩስያ ንምብርዓን ንምክልኻልን ብሓድነት ምስራሕ ኣገዳሲ`ዩ ዝብል ኣስሚረምሉ ኔሮም።

እቲ በዓል ስልጣን ፐንታገን ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሚንስተራት ምክልኻል ኔቶ ክሳታፍ`ዩ፡ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ጎረባብቲ ዩክሬን ዝኾና ፖላንድን ሊቱወናን ክበጽሕ`ዩ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብልንከን`ውን ንዩክሬን በቲ ወጥሪ ንዝተጎድአ ቁጠባኣ ንምሕጋዝ ናይ ሓደ ቢልየን ዶላር ለቓሕ ኣስሚዑ`ሎ።

ብመሰረት ሓበረታ ዋይት ሃውስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብ ናይ ትማሊ ሰኑይ ዝርርቦም፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ምሕያል ዓቕሚ ምክልኻል ኔቶ ብሸነኽ ምብራቓዊ ሸነኽ ጠቒሶም ኔሮም።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ንሓለቕኡ ፑትን ክነግሮ ከሎ፡ ሽሕ`ኳ ኣመሪካን ኔቶን ናብ ዩክሬን ገጾም ኣጽዋራት ምእታው ደው ምባል እንተኣበዩ፡ ብዛዕባ ምስሓብ ሚሳይላት ካብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ከምኡ ኣብተን ናብ ሩስያ ዝቐረባ ሃገራት ኣባላት ኔቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ንዘይምግባር ክላዘቡ ይደልዩ እዮም ኢልዎ።

ምስ ምዕራባውያን መራሕቲ ዲፕሎማሲያዊ ልዝብ ምቕጻል ቁምነገር ዘለዎ`ዶ ይመስለካ ዝብል ሕቶ ካብ ፑትን ዝቐረበሉ ላቭሮቭ፡ "እቲ ዝርርብ ኣይተጸንቀቐን ስለዚ ምቕጻሉ ይሓይሽ ፡ እቲ ዝርርብ ንዘይተወሰነ ግዜ ክቕጽል ኣይክእልን`ዩ፡ ኣብዚ ደረጃ`ዚ ግን ምቕጻሉን ምስፍሑን ይሓይሽ" ዝብል መልሲ`ውን ከምዝሃቦ እቲ ዜና ይሕብር።

ሩስያ ኣብዚ ሰዓት`ዚ ንዩክሬን ብሰለስተ ሸነኽ ብኣጽዋራትን ልዕሊ 130 ሺሕ ወተሃደራትን ከቢባታ`ያ ዘላ። በቲ ክረምያ ትርከበሉ ደቡባዊ ሸነኽ ጸሊም ቀላይ ድማ መራኽብ ኩናት ኣዋፊራ`ላ።

ስለያዊ ሓበረታ ኣመሪካ ከምዘመልክቶ ሩስያ ንዩክሬን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክትወራ ትኽእል`ያ።

በዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኣመሪካውያን ብቕጽበት ክወጹ ኣተሓሳሲባ`ያ። ገለ መንገድታት ኣየር`ውን ድንገት ኩናት ከይውላዕ ብምስጋእናብ ዩክሬን ምብራር ኣቋሪጸን ኣለዋ፡ ።

XS
SM
MD
LG