ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ: ወታሃደራት ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ዘሳተፈ ወታሃደራዊ ልምምድ ጀሚራ


ሩሲያ ሓይልታት ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ዘሳተፈ ወታሃደራዊ ልምምድ ሎሚ ሓሙስ ጀሚራ።እዚ ልምምድ ኣብ መንጎ ሩሲያን ቻይናን ወታሃደራዊ ምትሕብባር እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉን ክልቲኣን ሃገራት ምስ ኣመሪካ ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝኣተዋሉ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

እቲ ልምምድ ሩሲያ ወታሃደራታ ኣብ ዩክሬን ወታሃደራዊ ስርሒት የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዋን ይኻየድ ዘሎ ኾይኑ ሞስኮ እኹል ወታሃደራዊ ሓይሊ ከምዘለዋ ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ሩሲያ እቲ ልምምድ ክሳብ 7 መስከረም 2022 ከምዝካየድን 50,000 ወታሃደራት፣ 140 ነፈርትን 60 መራኽብ ውግእን ሓዊሱ ልዕሊ 5,000 ኣፅዋራት ይሳተፉ ከምዘለው ሓቢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG