ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ካብ ስኔክ ኣይላንድ ዩክሬን ምስሓባ ኣፍሊጣ


ምስሊ ሳተላይት ስኔክ ኣይላንድ
ምስሊ ሳተላይት ስኔክ ኣይላንድ

ሚንስትር ምክልኻል ሩሲያ ካብ ናይ ዩክሬን ግዝኣት ስኔክ ኣይላንድ ከምዝስሓበ ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

ሩሲያ ንደሴት ብላክ ሲ ብምቁፅፃር ኣብ መጀመሪያ እቲ ኵናት ከም መበገሲ ክትጥቀመላ ፀኒሓ እያ።

ሩሲያ ነቲ ስጉምቲ ከም "ምልክት ሰናይ ድልየት’’ ዝተወስደ እዩ ኢላቶ ኣላ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣንድሪ የርማክ ንምስሓብ ሓይልታት ሩሲያ ኣረጋጊፁ ኣሎ።የርማክ "ኣብ ስኔክ ኣይላንድ ወታሃደራት ሩሲያ የለውን።ወታሃደራዊ ሓይልታትና ዓብይ ስራሕ እዮም ሰሪሖም’’ ኢሉ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብሪጣንያ ንዩክሬን ሓደ ቢሊዮን ዶላር ረድኤት ከምትህብ ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጣ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን እቲ ገንዘብ ንምክልኻል ኣየር:ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ንወታሃደራት ዩክሬን ኣገዳሲ ዝኾኑ ናውቲን ዝውዕል እዩ ኢሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG