ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ፕሮጀክት ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ንዝነበራ ሱታፊ ካብ 2024 ጀሚራ ከምእተቋርጾ ተሓቢሩ


ሩስያ ኣብ ፕሮጀክት ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ንዝነበራ ሱታፊ ካብ 2024 ጀሚራ ከምእተቋርጾ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:21 0:00

ሩስያ ኣብ ፕሮጀክት ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ንዝነበራ ሱታፊ ካብ 2024 ጀሚራ ከምእተቋርጾ ተሓቢሩ

ሓላፊ ሮስኮስሞስ ዝተባህለ ወኪል ምርምር ህዋ ሩስያ ዩሪ ቦርሶቭ ሃገሮም ኣብ ፕሮጀክት ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር International Space Station ንዝነበራ ሱታፊ ምርምር ካብ 2024 ጀሚራ ከምእተቋርጾ ምሕባሮም መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ (ታስ) ገሊጻ።


ንሶም ነዚ ዝገለጹ ድሕሪ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ዘካየድዎ ዘተ ምዃኑ ብምሕባር፥ ሩስያ ናታ ዝኾነ ሃገራዊ መደበር ምርምር ኣብ ምምስራት ከምእተተኩር’ውን እቶም ሓላፊ’ቲ ኤጄንሲ ምርምር ህዋ ሩስያ ብተወሳኺ ገሊጾም።

ብመሰረት ነቶም ሓላፊ’ቲ ኤጄንሲ ጠቂሱ ዝወጸ ጽሑፍ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ “ንመሻርኽትና ዝኣቶናዮ መብጽዓ ኹሉ ክንፍጽሞ ኢና፥ ካብቲ መደበር ድሕሪ 2024 ምውጻእ ዝብል ውሳነ ግን ሓሊፉ’ዩ" ምባሎም ተጠቒሱ።


ዋሽንግተን ፖስት ዝተባህለ ጋዜጣ ነዚ ብዝምልከት ንዳይሬክተር ናሳ ሮብሊን ጌትስ (ኣመሪካዊ ትካል ምርምር ጠፈር ምዃኑ’ዩ) ብምጥቃስ ንንባብ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሩስያ ዝተውሃቦም ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊጹ። እንተኾነ ግን ንመጻኢ ንመደባቶም ዝምልከት ከምዝዘራረቡ እቶም በዓል መዚ ብተወሳኺ ኣፍሊጦም።

ናሳ ንተልእኾ እቲ መደበር ህዋ ክሳብ 2030 ከናውሖ መደብ ከምዘለዎ ምግላጹ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG