ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ዋና ከተማ ኪየቭ ደብዳብ ምፍጻማ ተገሊጹ


ኣብ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪየቭ ሎሚ ሰኑይ ከቢድ ፍንጀራ ኣጋጢሙ'ሎ።ብዝሒ በቲ ፍንጀራ ዝተጎድኡ ንፁር ኣይኮነን።ወራር ሩሲያ እንተቐፀለ እውን ብኣንፃራዊ ህድኣት ዓሲሉዋ ዝነበረት ዋና ከተማ ኪየቭ ብድምፂ ነታጒ ከምዝተናወፀት ተፈሊጡ ኣሎ።

ሃገራዊ ፖሊስ ዩክሬን ኣብ ኪይቭ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉን እንተወሓደ 12 ከምዝቖሰሉን ገሊፁ።

ኣብ ብዙሓት ካልኦት ከተማታት እውን ፍንጀራ ተሰሚዑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሩሲያ "ክተዕንወናን ካብ ገፅ መሬት ክተጥፍአናን’" ትፍትን ኣላ ክብሉ ጽሒፎም ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ሩሲያ ስቪላት ኣብ ልዕሊ ዝነብርሎም ከባቢታትን ምንጭታት ሓይሊ ኤሌትሪክን ዒላማ ትገርብ ኣላ: ናይታ ሃገር ስርዓት ሓይሊ ኤሌትሪክን ብምዕናውን ስንባደን ጭንቅን ንምፍጣር ትደሊ ኣላ ኢሎም።

ኪየቭ ንመወዳእታ ግዜ መጥቓዕቲ ዝተፈፀማ ኣብ ወርሒ ሰነ ኮይኑ እዚ ናይ ሎሚ ሰኑይ መጥቓዕቲ ዝፍፀም ዘሎ ዩክሬን ንሩሲያን ክሪሚያን ዘራኽብ ደልድል ኣጥቒዓ ክብሉ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ምኽሳሶም እዩ።

ቀዳም ብዝወረዶ መጥቓዕቲ ብከፊል ከምዝዓነወ ዝተገለፀ እዚ ድልድል ሩሲያ ናብ ደቡባዊዊ ዩክሬን ተተኮስትን ወታሃደራትን ንምጉዓዝ እትጥቀመሉ ቀንዲ መንገዲ እዩ።

XS
SM
MD
LG