ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጥቃዕቲ ከፊታ


ሎሚ ሓሙስ ንግሆ፡ ሩስያ፡ እንኮላይ ናብ ርእሰ-ከተማ ዩክሬን ኬቭ ዓሰርተታት ቦምባ ሚሳይል ተኲሳ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰብ-መዚ ዩክሬን እቲ ቦምባታት ንወተሃደራዊ ቀረባትን ትሕተ-ቅርጺን ሃሪሙ ኣሎ።

ሩስያ ብተመሳሳሊ ሰራዊታ ናብ ደቡባዊ ወገን ክደፍኡ ትእዛዝ የሕሊፋ ኣላ።

እዚ መጥቃዕቲ ዝኸውን ዘሎ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ “ፍሉይ ወታሃደራዊ ስርሒት” ክፍጽሙ ምዃኖም ድሕሪ ምምልካት’ዩ። መራሕቲ ዩክሬን ግን ምሉእ ወራር ምዃኑ ብምምጓት ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ብምእዋጅ፡ ኵሉ ህዝቢ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ሓቢሮም ኣለዉ።

ተሓለቕቲ መሰላት፡ ብዛዕባ ክወርድ ዝኽእል ሓደጋታት ድሮ የጠንቅቑ ኣለዉ። ዳይረክተር ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ዝዀኑ ከነድ ሮዝ ከም ዝጠቕሱዎ፡ ሩስያ ንሲቪላዊ ዒላማታት ክትሃርም ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘለዋ ኣመልኪቶም። ከም መግለጺ እቶም በዓል-መዚ ሩስያ ንኸምኡ ዝድርኻ ራዕዲ ንምእታውን ህዝቢ ዩክሬን ንምርባሽን ምዃኑ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ሩስያ ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ፡ ካብ መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝዅንን ግብረ-መልሲ ዛጊት ዘይምምጻኡ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ናይሮቢ ኬንያ ሓቢሩ'ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳድር ዩክሬን እቲ ወራር ንኤውሮጳን ዓለምን ዘስግእ ስጕምቲ ስለ ዝዀነ ኵላተን ሃገራት ኣትሪረን ክዅንነኦን ኣብ ጎድኒ ዩክሬን ደው ክብላን ድሕሪ ዝገበሮ ጻውዒት’ዩ። ከም ተንተንቲ፡ ስቓታ መብዛሕትኦም መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ሩስያ ኣብቲ ኣህጉር ዘለዋ ጽልዋ ዘርኢ ምዃኑ የመልክቱ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ዘሎ ምዕባለታት ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መብርሂ ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG