ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብመንግስቲ ሩስያ ዝምወል ኣር.ቲ. (RT) ዝተሰምየ መደበር ቴለቪዥን፡ ናይ ቋንቋ ጀርመን ፈነውኡ ካብ ዩትዩብ ድሕሪ ምእላዩ፡ እታ ሃገር ንትሕዝቶ ዩትዩብ ክትዓጽዎ ምዃና ተጠንቅቕ ኣላ።
ዩትዩብ ነቲ ትሕዝቶ ካብ ኣገልግሎቱ ዝኣለዮ ንፖሊሲታት ኮቪድ-19 ዝጥሕስ ትሕዝቶ ስለ ዝፈነወ ምዃኑ ከመልክት እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ራሻ ግን “መዳርግቲ ኣልቦ ክልከላ ሓበሬታ” ክብል ኰኒኑዎ ኣሎ።
ካብ መንግስታዊ ኣካል ምክትታል መራኸቢታት ዝዀነ ሮዝካማንድዞር፡ ነቲ ውሳነ ዳግም ክሓስበሉ ናብ ጉግል ጽሒፎም ከም ዘለዉ ሓቢሩ ኣሎ። ኵባንያ ጉግል እቲ ዝጽበዩዎ ምስ ዘይገብር ግን ከም ግብረ-መልሲ ንገለ ክፋል ወይ’ውን ምናልባት ምሉእ ትሕዝቶ ዩትዩብ ክኽልክሉ ምዃኖም ኣጠንቂቑ።
ኣብ ውሽጣዊ ሕጋጋትን መምርሒታትን ከም ምትእትታው ዝረኣዮ መንግስቲ ክረምሊን፡ ንኸምዚ ዝበለ ደጋዊ ምትእትታው ናይ ዩትዩብ ክጻወር ዘይምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ነቲ ተግባር ከኣ ማዕረ ክልከላ ሓበሬታ (ሰንሰርሺፕ) ከም ዝርእዮ ወሃብ ቃል ጉዳያት ወጻኢ መንግስቲ ሩስያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት መንግስቲ ሩስያ፡ ብተደጋጋሚ ግዜ ምስ ዓበይቲ ትካላት ሓበሬታ ኣብ ረጽሚ’ዩ ጸኒሑ። ካብ ዓበይቲ ትካላት መራኸቢታት ከም ጉግል፡ ትዊተር፡ ፈይስቡክን ካልኦትን፡ ኣብ ሩስያ ዘይሕጋዊ ዝበሎ ትሕዝቶ ክእለየሉ መንግስቲ ሞስኮ ተደጋግሚ ጥርዓናት ደኣ የቕርብ እምበር፡ ኣብ እዋኑን ብኸምቲ ዝደልዮን ምስ ዘይፍጸመሉ ግን ቀጻዒ ግብረ-መልሲ ክትግብርጸኒሑ’ዩ። ገለ ካብኡ ንኣብነት፡ ምዝሓል ትዊተር ይርከቦ።
ብቐጻዒ ተግባራት መንግስቲ ሩስያዝተሳናበዳ ኩባንያታት ጉግልን ኣፕልን፡ ኣብ እዋን ምርጫ፡ ንመንግስቲ ሩስያ ንምድባስ ብተቓወምቲ ዝዝውተር ናይ ምርጫ ኣፕ ከም ዝኣልዩ ነቐፍቲ ይጠቕሱ።