ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ንዝተነብረላ ሓድሽ ማዕቀብ ትነጽግ


ኬሚካላዊ ኣፅዋር ተጠቒማ ብዝብል ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሓድሽ ዙር ማዕቐብ ዝተንብረላ ሩሲያ እቲ ስጉምቲ ንዝተጀመረ ርክባት ብፕረዚደንት ትራምፕን ፕረዚደንት ፑቲንን ዘበላሽው ዘይሕጋዊ ስጉምቲ እዩ ክትብል ኮኒናቶ።

ብኣሜሪካ ዝውሰድ ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ዘይምሕዝነታዊ እዩ ዝበሉ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፕረዚደንትታት ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ርክብ ዘተሓላልኽ እዩ ኢሎምዎ።

ፕረዚደንት ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ነዚ እገዳ ዝኣወጀት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣባል ስለያ ሩሲያ ዝነበሩ ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሎም ዩሊያን ኣብ ብሪታኒያ መሪዛቶም ንዝብል እዩ።

XS
SM
MD
LG