ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ንዝርጋሐ ሓድሽ ፈውሲ ኮቪድ 19 ኣጽዲቃ


‘ሩስያ ንዝረኸበቶ መድሓኒት ጸረ ቫይረስ ኮሮና፣ ኣብ ጥቅሚ ንክውዕል ከምዝፈቀደት’ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ገሊጾም። ብዛዕባ እቲ ሓድሽ መድሓኒት ጸረ ቫይረስ ኮሮና፣ እኹል ሓበሬታ ወይካኣ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ሰባት ውጽኢታዊ ከምዝኾነ ግና ኣይነጸሩን።

ፕረዚደንት ፑትን‘ነዚ ዜና’ዚ ወግዓዊ ዝገበሩ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ኣኼባ ካቢነ ሃገሮም እዩ’።

ንሶም አብ ዘረበኦም ‘እቲ ብትካል ገማልያ ዝተሰርሐ ፈውሲ ቫይረስ ኮሮና፣ ውጽኢታዊን ውሑስ ምክልኻልን ዝፈጥርን ከምዝኾነ ይፈልጥ እየ’ ኢሎም።

ፑትን ወሲኾም ‘አብ መባእታዊ መርመራ ዝተሳተፈት ጓሎም መጠነኛ ረስኒ ነይሩዋ፣ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ግና ዝነበራ ረስኒ ኣዝዩ ኣንቆልቁሉ’ ኢሎም።

‘ጅምላዊ ፍርያት እቲ ሓድሽ መድሓኒት ጸረ ኮቪድ 19 ዝመጽእ ጥቅምቲ ከምዝጅምር እውን ፕረዚደንት ፑትን ሓቢሮም። እቲ ሓድሽ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19፣ንክብሪ እቲ ኣብ 1957 ናብ ህዋ ዝተሓምበበ ፈላማይ ሰብ ተባሂሉ ስፑትኒክ ራብዓይ ዝብል ስም ተዋሂብዎ ኣሎ። ።

ፈላሞት ተጠቀምቲ እቲ መድሓኒት ሓካይም፣ መማህራንን ንሓደጋ ተቃሊዖም ዝሰርሑ ሰባትን ከምዝኾኑ ሰበ ስልጣን ሩስያ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG