ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ: ንምጽጋዕ ወታሃደራት ኣመሪካ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብሻቕሎት ትከታተሎ ከምዘላ ሓቢራ


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን

ኣመሪካ 8500 ወትሃደራታ ኣብ ምብራቃዊ ኣውሮጳ ንክተዋፍር ትገብሮ ዘላ ምቅርራብ፣ ብዝላዓለ ሻቅሎት ትከታተሎ ከምዘላ ሩስያ ሎሚ ሰሉስ ገሊጻ።

ወሃቢ ቃል ክረምሊን (ቤተ መንግስቲ ሩስያ) ዲምትሪ ፐስኮቭ ኣመሪካ ኣብ ዶብ ሩስያን ዩክረይንን ንዝተፈጠረ ውጥረት ተጋድዶ ኣላ ንዝብል ክሲ ደጊሙ ኣቃሊሑ’ሎ’።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣንያ ቦሪስ ጃንሰን ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ ናይ ሩስያ ተጻብኦ ኣብ ዝሓየለለሉ እዋን፣ ዓለምለኸ ምሕዝነት ኣገዳሲ ከምዝኾነ ምስ መራሒ ኣመሪካ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣመሪካ ናብ ጥቃ ሩስያ ምጽጋዕ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ገና ኣይወሰኑን።

XS
SM
MD
LG