ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ብመስመር ሻምብቆ ናብ ኣውሮጳ ትልእኾ ነዳዲ ዳግማይ ምጅማሩ ተገሊጹ


ሩስያ ናብ ኣህጉር ኣውሮጳ ትልእኾ ዝነበረ ነዳዲ ንዓሰርተ መዓልታት ንናይ ጽገና ስራሕ ድሕሪ ምቁራጽ ሎሚ ሓሙስ ምጅማሩ ተፈሊጡ።

ጀርመናዊ ተቆጻጻሪ ክፍሊ ጸዓት ክላውስ ሙለር ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ዋሕዚ ነዳዲ ካብ ሩስያ ኣብ 40 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፣ እዚ ማለት ድማ፣ ቅድሚ’ቲ ምቁራጽ ዝነበረ መጠን እዩ ይብል።

መንግስቲ ሩስያ ዝውንኖ ትካል ጋዝ ፕሮም፣ ምቁራጽ ዘጋጠም ብሰንኪ ኣብ ካናዳ ይጽገን ዘሎ ሸምበቆ ነዳዲ እዩ ይብል።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ብወገኖም ሃገሮም ዝኣተወቶ ውዕል ምቅራብ ነዳዲ ከምዝማላእ፣ እንተኾነ ኣብ’ዚ ቀረባ ተወሳኺ ጽገና ሸምበቆ ስለዝግበር ግና፣ ካልእ ጸገም ክህሉ ይኽእል’ዩ ክብሉ ኣጠንቂቆም ኣለው።

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብመንጽር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ትፍጽሞ ዘላ ወራር፣ ካብ ሩስያ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝላኣኽ ነዳዲ ሙሉእ ንሙሉእ ክቋረጽ ይኽእል’ዩ ከምዝብሉ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG