ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ: ሲቪላት ካብ ዩክሬን ክወጹ ከምተፍቕድ ኣፍሊጣ


ካብ ዩክሬን ዝሃድሙ ዘለው ዩክሬናዊያን
ካብ ዩክሬን ዝሃድሙ ዘለው ዩክሬናዊያን

ብሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝተታሕዛ ከተማታት ዩክሬን ግዚያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ትማሊ ሰሉስ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ብኣውቶቡሳትን ብእግርን ክሃድሙ ክኢሎም ኣለዉ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ ድማ ተወሳኺ ንሲቪላት ዝኸውን መሕለፊ ከምዝኸፍት ኣፍሊጡ`ሎ።

ሓንቲ ኣብነት ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ትርከብ ከተማ ሱሚ`ያ፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ብውሑዱ 21 ሲቪላት ድሕሪ ምሟቶም፡ ሰለማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ሃዲሞም ኣለዉ። ከምኡ`ውን ካብታ ኣብ ጥቓ ዋና-ከተማ ኪይቭ ትርከብ ከተማ ኢርፒን'ውን ሰለማውያን ሰባት ይሃድሙ`ለዉ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ንከተማታት ቸርኒቭ ከምኡ`ውን ካርኪቭን ማሪፖልን ተወሳኺ ንሲቪላት መሕለፊ ዝኸውን መስመራት ከምዝኸፈተ ኣፍሊጡ`ሎ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ብወገኑ፡ሩስያ ኣብ ከተማ ፓሪፖል ን300ሺሕ ሰባት ጅሆ ሒዛቶም ኣላ ክብል ትማሊ ሰሉስ ከሲሱ`ዩ። ኣስዒቡ መንግስታት ሩስያ ሰባት ክወጹ ኣፍቅድሎም ዝብል መጸዋዕታ ከቕርባ ኣለወን ኢሉ።

ዋና ጸሓፊ ወታሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ(ኔቶ) ጀንስ ስቶልተንበርግ ብወገኑ፡ ኣብ ዩክሬን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከቢድ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንሲቪላት መተሓላለፊ መስመራት ምሉእ ንምሉእ ክኽበር ኣለዎ ኢሉ`ሎ። ሲቪላት ክሃድሙ ከለዉ ንተኹሲ ዝተቓልዑ ምንባሮም ኣብነታት ኣሎ፡ ንሲቪላት ዒላማ ምግባር ድማ ገበናት ኩናት`ዩ ኢሉ።

ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ወራር ዩክሬን፡ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ካብ ዩክሬን ከምዝተሰደዱ ኣፍሊጡ`ሎ። እዚ ድማ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝበዝሐ ቁጽሪ ምዃኑ የዘኻኽር።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ሩስያ ሰብኣዊ መስመራት ክተፍቅድ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፡መሓዙት ዩክሬን ዝኾና ሃገራት፡ ዩክሪናውያን ንባዕሎም መታን ክከላኸሉ ኩሉ ዝከኣለና ክንገብር ኢና ኢሉ።

ብኻልእ ምዕባለ ፡ኣብ ልዕሊ መሸጣ ነዳዲ ሩስያ ማዕቀብ ብዛዕባ ምግባር ዝርርብ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ካብ ካልኦት ምንጭታት ቀጻልነት ዘለዎ ዓለማዊ ቀረባት ንምርግጋጽ ንሰርሕ ኣለና ኢሉ።

XS
SM
MD
LG