ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ምስ ኢትዮጵያ ዝተረረ ዝምድና ትጠልብ፡ ኢትዮጵያ ግን ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ትቕርቀር


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ኢትዮጵያ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ኢትዮጵያ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ሎሚ ሰሉስ ኣማስይኡ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው። እዚ ዛዛሚ ናይቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዘካየድዎ ዑደት ምዃኑ’ዩ። ካብ ሃገራት ምዕራብ ከቢድ ጸቕጢ ዝመጽኣ ዘሎ ኢትዮጵያ ንኽልቲኡ ወገናት ከመይ ከም እተተኣናግዶ ኣዛራቢ ኰይኑ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዑደት ብምቕጻል ሎሚ ሰሉስ ኣማስይኡ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ክዛዝሙ’ዮም። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሩስያ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ወራር ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ቅልውላው መግቢን ሕጽረት መሰረታዊ ጸገማትን ይርኣየሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ዕላማ ዑደት እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ንምሕያል’ዩ። ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተራእየ ከቢድ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኢትዮጵያ ኣደዳ ነቕፌታ ሃገራት ምዕራብ ኰይና’ያ ጸኒሓ።

ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ፡ ህልወና ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ብተዛማዲ ንኡስ’ዩ። ምስ ናይ ኣመሪካ ክነጻጸር እንከሎ ገዚፍ ኣሰር የብላን። ምስ ከም በዓል ቻይና ክወዳደር’ውን ኣብ ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር እትገብሮ ዓቢ ወፍሪ የሎን።

ንኽልተ ሃገራት ዝጠምር ካልእ ነጥቢ ግን ኣሎ።ሩስያ ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ፡ ብዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ብልጫ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ክትከላኸለላ ጸኒሓ። ገለ ካብኡ እቲ ርክብ ኣብ ዕጹው ቦታ ክግበርን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝሓልፍ መግለጺታት ድማ ምኽልካልን ይርከቦ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዜጋታት ካብ ንሃገራት ምዕራብ፡ ንሩስያ ዘለዎም ድጋፍ ክግለጹ ምርኣይ ዘይንቡር ኣይኰነን። እዚ ሓሳብ’ዚ ክሳብ እቶም ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ፡፡ንቐዳማይ ሚንስተር ሓዊስካ’ውን ዝንጸባረቕ’ዩ።

ኣብ መጽናዕቲ ዝነጥፍ ሞጎስ ዘውዱ ተሾመ፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ሩስያን ታሪኻዊ ምዃኑ ይሕብር።

“ካብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣትሒዙ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ጽቡቕ ዝምድና’ዩ ጸኒሑዋ። ኣብ እዋኑ ምስ ሕብረት ሶቭያት’ያ ወጊና ነይራ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተራእየ ሽግር ድማ ሩስያ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ወሰንቲ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ። እዚ ድማ ብመገዲ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ቦታ’ዩ።”

ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ንዝበጽሕ ሰደድ ስርናይ ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ሩስያ ንመስመር ጸሊም ባሕሪ ውሕስነት ክትህቦ ነቶም ሚንስተር ክላበዉዎም ትጽቢት ይግበር። ኣስታት 40% ናይ እኽሊ ቀረባት ካብ ሩስያን ዩክሬንን እተረክብ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣስታት 30 ሚልዮን ካብ ህዝባ ተጸልዩ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ኲናት ክልል ትግራይ ኣብ ዝቐጸለሉ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ወተሃደራዊ ውዕል ፈሪማ ነይራ። እቲ ውዕል ብወገን ሃገራት ምዕራብ ዓቢ ነቕፌታ ኣስዒቡ’ዩ።

ኣብ ኲንስ ዩኒቨርስቲ ካናዳ ዝምህር ፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል ከም ዝገልጾ ግን፡ ሩስያ ንቦታ ምዕራብ ክትትክእ ከም ዘይትኽእል ይምጉት። ከም ኣዘራርባ ፕሮፈሰር ዓወት፡ ሕጂ ወጥሪ ምስ ትግራይ ይዝሕለሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣንጻር ምዕራብ ስጕምቲ ክወስዱ ከጸግሞም’ዩ።

“ከም ርድኢተይ ዝምድና ምዕራብን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ከምቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወይ ዓመት ዝነበሮ ሓርፋፍ ዘሎ ኣይመስለንን። ሃገራት ምዕራብ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምርግጋእ ኣበርቲዐን ይሰርሓ ኣለዋ። ስለዚ ከኣ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ላቭሮቭ ነቲ ዘሎ ዝምድና ክቕልስ ዝኽእል ኣይመስለንን።”

ኢትዮጵያ፡ ብሕቡራት ሃገራት፡ ኣንጻር ሩስያ ዝነበረ ንድፊ ድምጺ ካብ ምሃብ ምቑጣባ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG