ዋሽንግተን —
መራሕቲ ሩስያን ዩክሬንን ነቲ ዝካያድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዘተ ከም ዘለዉ ወከልቲ ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቲ ብቪድዮ-ብርሕቐት ዝግበር ዘሎ ዘተ: ብወገን ዩክሬንን ብሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገርን ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪን ክምራሕ እንከሎ፡ ብወገን ሩስያ ድማ ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን’ዩ ዝምራሕ።
ሓያሎ መራሕቲ ምዕራብን ናይ ደገ ተዓዘብቲን፡ ሩስያ ኣብቲ ዘተ ሰላም ብምሉእ ቅንዕና ከም ዘይትሳተፍ ክገልጹ እንከለዉ፡ ምናልባት ነቲ ብኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምጥምዛዝ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲመር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ሰራዊታ ካብ ዩክሬን ክትስሕብ እንተክኢላ ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝነበሮም መደብ ከም ዘቋርጹዎ ኣመልኪቶም ነይሮም። ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ንዘተ ዝቐርብ ጉዳይ መጻኢ ዕድል ክሬሚያን ሩስያ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣፍልጦ ዝሃበተን ክልተ ደሴታትን ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ክቐርብ ከም ዝደሊ የመልክቱ። እንተዀነ፡ ቀዳምነታት ክወሃቦ ዘድሊ ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኰይኑ፡ ዕጫ እተን ኣከራኸርቲ ቦታታት ድማ ዳሕራይ ብረፈረንዶም ክወሰን ከም ዝኽእል ይሕብሩ።