ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያን ዩክሬንን ንዝርርብ ይቀራረባ


ማሪፖል ዩክሬን
ማሪፖል ዩክሬን

ብመንጎኝነት ቱርኪ ንሩስያን ዩክሬንን ንምልዛብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልደሚየር ዘለነስኪ ሃገራዊ ሓድነትን መሬታዊ ግዝኣትን ቀዳመነታት ከም ዝወሃቦ ኣመልኪቶም።

ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምእንቲ ሰላም ክብሉ መጻኢ ዕድል እተን ኣከራኸርቲ ቦታታት’ውን ብምርጫ ረፈረንደም ክውሰን ፍቓዶም ምዃኑ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ነዚ ንምግባር ግን ኣዋሓሲት ሃገር ከም ዝደልዩን ብተዛማዲ ነቲ ጉዳይ ክትኣሊ እትኽእል ቱርኪ ምዃናን ድማ ይጠቕሱ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂብ ተዪብ ኤርዶዋን፡ ብሰንበት ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ብስልኪ ድሕሪ ምዝርራቦም፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ሰላምን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ምዃኑ ከም ዝገለጹሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዂናት ዩክሬን ኣስታት 10 ሚልዮን ዜጋታት ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ 3.8 ሚልዮን ካብኣቶም ናብ ካልእ ሃገራት ዝተሰዱ’ዮም።

XS
SM
MD
LG