ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያን ኣመሪካን እሱራት ይለዋወጣ፣ “ካልእ ምምሕያሽ ዝምድና ግን የሎን”


ወሃቢት ቃል ዋይት-ሃውስ ጀን ሳኪ
ወሃቢት ቃል ዋይት-ሃውስ ጀን ሳኪ

ዝምድና ሩስያን ኣመሪካን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣብ ዝርከበሉ ሕጂ እዋን፡ክልቲኣን ሃገራት ላዕለዎት እሱራት ተቐያዪረን። ከም ሓበሬታ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ግን ኣብ ባይታ ዝተለወጠ ዝምድና የሎን።

ትረቮር ሪድ ካብ 2019 ኣትሒዙ ኣብ ሩስያ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ወታሃደር ኣመሪካ’ዩ። ኣብቲ እዋን መእሰሪኡ ምኽንያት፡ ሰኺሩ ንኣባል ፖሊስ ሩስያ ድሕሪ ምህራሙ’ዩ። ድሒሩ ንትሸዓተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ። ስድራቤቱ ግን ንጹህ’ዩ ብምባል ካብ ምሕታት ኣይበዀሩን ጸኒሖም።

ረቡዕ ግን ሃንደበት ሩስያ ናጻ ኢላ ሰዲዳቶ። ወሃቢት ቃል ዋይት-ሃውስ ጀን ሳኪ እቲ ናይ እሱራት ልውውጥ መስርሕ ኣብ ቱርኪ ከም ዝተፈጸመ ትሕብር።

“ፈለማ ሎሚ ፍሉይ መዓልቲ ምዃኑ ብምዝራብ ክጅምር። እዚ ከኣ ፕረዚደንት ባይደን፡ ብጌጋን ዘይግቡእ ኣገባብን ዝተኣስሩ፡ ኣመሪካውያን ኣብ ምፍታሕ ዝጻወቶ ተራ ዘርኢ’ዩ፡” ትብል።

ኣመሪካ’ውን ንልዕሊ 20 ዓመት ተፈሪዱ ዝነበረ ሩስያዊ ፓይሎት ኮንስታንቲን ያሮሸንኮ ናጻ ለቒቓ ኣላ። እቲ ሩስያዊ ፓይሎት ናብ ኣመሪካ ዕጸ-ፋርስ ብምእታው’ዩ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ጸኒሑ።

ወሃብ-ቃል ሩስያ፡ እቲ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ውጽኢት ነዊሕ ዝወሰደ ዝርርብ ምዃኑ የምልክት።

ጀን ሳኪ ግን እዚ ምልውዋጥ እሱራት፡ ኣመሪካ ንወራር ሩስያ ዘለዋ ተቓውሞ ከም ዘይልውጦ ኣብሪሃ ኣላ።

"ምምላስ ትረቮር ሪድ ናብ ሃገሩ፡ ምስ ስድራቤቱ ምጽንባር፡ ዘድልዮ ሕክምናዊ ክትትል ምግባር፡ ወዘተ. ኣብ ወራር ሩስያ ዘሎና መርገጺ ፈጺሙ ኣይቅይሮን’ዩ። እዚ’ውን ነቲ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ቀረባ እዋን ዝደፍኣሉ ዘሎ ኵልንታዊ ሓገዝ ንዩክሬን ዝትንክፎ ኣይኰነን፡” ትብል።

ሪድ ካብ መንጎ ብዙሓት ኣብ ሩስያ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣመሪካውያን ምዃኑ’ዩ። ሓንቲ ካብኣቶም’ውን ብጥርጣረ ዘይሕጋዊ መድሃኒት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተኣስረት ህብብቲ ተጻዋቲ ባይዝቦል ብሪትኒ ክራይንደር ትርከቦም።

ኣብ 2018 ብስልኳ ሓበሬታን ሃገራዊ ጸጥታን ዝተኣስረ ወታሃደር ኣመሪካ ፖል ወላን’ውን ሓደ ካብቶም ብሓያሎ ወገናት ናጻ ምዃኑ ዝንገረሉ’ዩ። ባዕሉ’ውን ናጻ ምዃኑ’ዩ ዝምጕት።

“ኣነ ናጻ ሰብ’የ። እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ገበናት፡ ኣይወዓልኩዎን። ብቐንዱ ዝተገብረ ስሕተት’ውን ዘሎ ኣይመስለንን፡” ይብል።

ዋይት-ሃውስ ንወላንን ካልኦት ብዘይወዓሉዎ ገበናት ዝተኣስሩን ከፍትሖም ክጽዕር ምዃኑ ይሕብር።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፒቱን ኣብ ናይ ረቡዕ ዘረባኡ ብዛዕባ ምልውዋጥ እሱራት ኣይተዛረበን። እቲ ፕረዚደንት ግን ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝገብሩዎ ዘለዉ “ፍሉይ ወታሃደራዊ ስርሒት” ኢዳ ከተእቱ ንእትፍትን ሃገር ግን “በርቃዊ” ግብረ-መልሲ ክህቡ ምዃኖም ጠቒሱ።

XS
SM
MD
LG