ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩሲያ: ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣንጻር ኵናት ዩክሬን ተቓውሞ ንሰምዑ ልዕሊ 5,000 ሰባት ኣሲራ


ኣብ ሩስያ ኣንጻር ኲናይ ዝኻየድ ተቓውሞ
ኣብ ሩስያ ኣንጻር ኲናይ ዝኻየድ ተቓውሞ

ፕረዚደንት ቪላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ብምፍፃሞም ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዘስምዕ ዝኾነ ይኹን ሰብ ይውሰድ ናይ ዘሎ ማእሰርቲ ኣካል ትማሊ ሰንበት ጥራሕ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት'ታ ሃገር ብዝሒ ዝተኣስሩ ሰባት ልዕሊ 5,000 በፂሑ።

ኣብ እዋን ተቓውሞ ንማእሰርቲ ዝከታተል OVD-Info ዝተባህለ ትካል ከምዝበሎ ፖሊስ ኣብ 60 ከተማታት ብውሑዱ 5,016 ሰባት ኣሲሩ ኣሎ።እዚ ቁጽሪ ዝሓለፈ ዓመት ንማእሰርቲ መራሒ ተቓዋሚ ኣሌክሲ ናቫሊን ስዒቡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብሓፈሻ ካብ ዝተኣሰሩ ዝበዝሕ እዩ።

ሰበስልጣን'ታ ሃገር ኣብ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ማእሰርቲ ከምዘጋጥሞም እንተጠንቀቑ'ውን ኣብ ሩሲያ ይካየድ ዘሎ ፀረ ኵናት ተቓውሞ ግን ቀፂሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ፑቲን ብዛዕባ ሰራዊት ሩሲያ ናይ ሓሶት ዜና ንዝዝርግሕ ክሳብ 15 ዓመት ዝበፅሕ ማእሰርቲ ዝቐፅዕ ሕጊ ዝሓለፈ ዓርቢ ፈሪሞም ኣለው።ኣብ ልዕሊ ሩሲያ እገዳታት ክንበር ንዝፅውዑ እውን ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዘእስር ገበን ከምዝኸውን ፑቲን ፈሪሞም ኣለው።

XS
SM
MD
LG