ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩሲያ ናብ ዋዕላ ዝማዕበላ ሃገራት ዳግም ክትዕደም ኣለዋ ክብሉ ፕረ. ትራምፕ ገሊጾም


ፕሬዝዳንት ትራምፕ ቅድሚ ናብ ካናዳ ምብጋሶም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ሩሲያ ናብ ዋዕላ ዝማዕበላ ሃገራት ዳግም ክትዕደም ኣለዋ ኢሎም ።

‘’ንሩሲያ ከርዕድ ዝፀናሕኹ እየ፣ግን ሩሲያ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፍ ኣለዋ’’ኢሎም።

ነዚ ናይ ሎሚ ጉባኤ ጉጅለ ሸውዓተ ዘተኣናገዱ ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጃስቲን ትሩዱው ሩሲያ ክትምለስ ኣለዋ ንዝብል ካናዳ ትቃወሞ እያ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ‘’ሩሲያ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ኣድሂባ ተሰርሕ ኣላ’’ክብሉ ነቲ ኣበሃህላ ኣታሒቶምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG