ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ክተኣታተው ዝሕሰብ ዘሎ ሓዱሽ ሕጊ ንነፃነት ፕረስን ብመርበብ ሓበሬታ ሓሳብካ ናይ ምግላፅ መሰልን ስግኣት እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይት ዎች ሎሚ ዓርቢ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ “ኣዋጅ ምክልኻል ናይ ፅልኢ ዘረባን ዝንቡዕ ሓበሬታን’’ ዝብል ረቂቕ ሕጊ እንተድኣ ፀዲቑ ብመርበብ ሓበሬታ፣ብፈነወ ወይ ብሕትመት ኣቢሉ ፅልኢ ዘለዓዕል መልእኽቲ ብገበን ዘሕትት ከኸውን እዩ ኢሉ ።
እቲ ሕጊ ብ ካቢነ ቀዳማይ ሚንስትር ፀዲቑ’ሎ: ኣብ ግብሪ ክውዕል ግን ብፓርላማ ክፀድቕ ኣለዎ።
ነቐፍቲ እቲ ሕጊ ንድምፅታት ነቐፌታን ፖለቲካዊ ተወዳደርትን ንምዕፋን ክውዕል ይኽእል እዩ ይብሉ ።ነቲ ሕጊ ዝድግፉ ግን ዓሌታዊ ፅልኢ ከይጎሃሃር ዝገብር ስለዝኾነ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።