ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞዛምቢክ፡ ኣብ ልዕሊ ወፍሪ ምርጫ ዘካይዱ ዘለው ወገናት መጥቓዕትታት ምግዳዶም ተገሊጹ


ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ልዕሊ ወፍሪ ምርጫ ዘካይዱ ዘለው ወገናት ዝፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ ምግዳዱን ዝመጽእ ሰሙን 15 ጥቅምቲ 2019 ዝካየድ ምርጫ ስግኣት ከምዝፈጠረ ተገሊጹ።

ተንተንቲ ብወገኖም እቲ ምርጫ ብላዕሊ ኣብ መንጎ ክልተ ተነሓናሕቲ ፓርትታት ንነዊሕ እዋን ገዛኢ ፓርቲ ዝኾነ ፍረሊሞ ፓርትን ተቓዋሚ ሬናሞ ፓርትን እንተመሰለ እውን ኣዚዩ ዝተሓላለኸ እዩ ይብሉ ።

ዜናይዳ ማቻዶ ተመራማሪት ኣብ ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ይካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ወፍሪ ብሞት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባትን ህውከትን ተዓጂቡ ይኸይድ ኣሎ ትብል ።ንሳ ብተወሳኺ እዚ እታ ሃገር ቅድሚ ሎሚ ካብ ዘጋጠሙዋ ዝበኣሰ ክኸውን ከምዝኽእል ትፅቢት ይግብር ትብል።

ገዛኢ ፓርቲ ፍረሊሞ ካብ 1975 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ይርከብ።ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ድማ ንመጀመርያ ጊዜ ስልጣኑ ናይ ምስኣን ሓደጋ ገጢሙዎ’ሎ።

XS
SM
MD
LG